ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጳጉሜን፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ዑደት ስራሕ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣበይ ኣሕመድ ኣብ ጋናን ሴኔጋልን ብኣፍሪካዊ ምትእስሳር ናይ ሓባር ተረባሕነት ዘተኮረ ኢዩ ተበሂሉ።
ሓላፊት ዓውዲ ሚዲያን ዓለም ለኸ ርክብን ቤት ፅሕፈት ፕሬስ ሴክሬተሪያት ቀዳማይ ሚኒስትር ቢልለኔ ስዩም ኣብ ዝሃብኡ መግለፂ፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ጋናን ሴኔጋልን ዘካየድዎ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ብብርኪ ኣፍሪካ ዘሎ ርክብ ሕድሕድ ብዛሓሸ ኩነታት ንምምዕባል ዝዓለመ ኢዩ ኢለን።
ምስተን ሃገራት ዘሎ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ልዕል ብዝበለ ብርኪ ንምቕፃልን ኣፍሪካዊ ተረባሕነት ንምጥንኻርን ዝሕግዝ ከምዝኾነ ተዛሪበን።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኡጋንዳን ሩዋንዳን ምስ ዝገበርዎ ዕደት ዝተኣሳሰረ ከምዝኾነ ሓቢረን።
ኢትዮጵያ ምሰ ኣፍሪካ ሃገራት ዝነበራ ርክብ ዝፀንሐን ታርኻዊን ከምዝኾነ ብምግለፅ፥ ናይ ሐዝ ናይ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ዑደት ሕብረት ኣፍሪካ ብዘማእኸለን ብፓናፍሪካኒዝም ዝተቓነየን ከምዝኾነ ሓቢረን።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፥
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com7 /fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanaእ broadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።