ውፅኢት 4ይ ሰሙን ፀወታታት ፕሪሜር ሊግ ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ራብዓይ ሰሙን ፕሪሜር ሊግ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ኢትዮጵያ ተኻይዱ።

ኣብ ሃዋሳ ስታዲየም ምስ ጋንታ ሲዳማ ቡና ዝተፃወተት ጋንታ መቐለ 70 እንደርታ ድማ 2 ን 1 ብዝኾነ ውፅኢት ተዓዊታ።

ኣብ መቐለ ስታዲየም ትግራይ ንጅማ ኣባ ጅፋር ዘተኣናገደት መራሒት ፕሪሜር ሊግ ኢትዮጵያ ጋንታ ወልዋሎ ዓዲግራት ዩኒቨርሲቲን ኣብ ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ ምስ ጋንታ ቅዱስ ጊዮርጊስ ዝገጠመት ጋንታ ስሑል ሽረን ድማ ብተመሳሳሊ ውፅኢት ባዶ ንባዶ ተፈላልየን።

ኣብ ሜዳኣ ምስ ድሬዳዋ ከተማ ዝተፃወተት ጋንታ ባህር ዳር ከተማ 4 ን 1 ብዝኾነ ውፅኢት እንትትዕወት፥ ፋል ከነማ ንሃዲያ ሆሳእና 3 ን 0 ስዒራ።

ወልቂጤ ከነማ ብሰበታ ከተማ 1 ን 0 ዝተስዓረት እንትኸውን፥ ኣዳማ ከተማን ወላይታ ዲቻን ክልተ ማዕረ ተፈላልየን።

ቀሪ ፀወታ ጋንታታት ኢትዮጵያ ቡናን ሃዋሳ ከተማን ድማ ፅባሕ ሰምበት ሰዓት ትስዓተ ኣብ ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ኢዩ።

Comments (0)
Add Comment