ውፅኢት ክልላዊ ፈተና ተምሃሮ 8ይ ክፍሊ ክልላት ኦሮሚያ ኣምሓራን ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ውፅኢት ክልላዊ ፈተና ተምሃሮ 8ይ ክፍሊ ክልላት ኦሮሚያ ኣምሓራን ዕላዊ ኮይኑ።

ብምኽንያት ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ደንጉዩ ኣብዚ ዓመት ዝተውሃበ ክልላዊ ፈተና 8ይ ክፍሊ ውፅኢቱ ዕላዊ ከምዝኾነ ቢሮ ትምህርቲ ክልቲአን ክልላት ኣፍሊጦም፡፡

ኣብ ክልል ኣምሓራ ንፈተና ካብ ሞንጎ ዝተቐመጡ ተማሃሮ፥ እቶም 96 ነጥቢ 85 ሚኢታዊ ተምሃሮ ናብ ዝቕፅል ክፍሊ ከምዝሓለፉ ተፈሊጡ፡፡

ነዚ ስዒቡ ድማ ኣብዚ ዓመት ዝሓሸ ውፅኢ ስለዝተምዝገበ፥ እቲ ቢሮ ንስድራ ቤት ተምሃሮን መዳርግቲ ኣካላትን መልእኽቲ እንኳዕ ኣሕጎሰኩም ኣመሓላሊፉ፡፡

እቲ ቢሮ፥ ናብ 9ይ ክፍሊ ዝሓለፉ ተምሃሮ ካብ 30 ታሕሳስ 1013 ዓ.ም ጀሚሮም ምዝገባ ንኸካይዱ ኣተሓሳሲቡ፡፡

ብተመሳሳሊ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ውፅኢት ፈተና 8ይ ክፍሊ ዕላዊ ዝኾነ እንትኸውን፥ ናብ ፈተና ካብ ዝተቐመጡ ተምሃሮ 93 ሚኢታዊ ተምሃሮ ናብ 9ይ ክፍሊ ምሕላፎም ተፈሊጡ፡፡

ቢሮ ትምህርቲ እቲ ክልል፥ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ትምህርቲ 9ይ ክፍሊ ከምዝጅመር ኣፍሊጡ ኣሎ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment