ውፅኢታዊ ስራሕቲ ምርድዳእ ክብ ምባል ይግባእ-ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ውፅኢታዊ ስራሕቲ ምርድዳእ ክብ ብምባል ኣብ ፖሊሲታትን ኣሰራርሓታትን መንግስቲ ንሕብረተሰብ ዝሓሸ ገንዛበ ምፍጣር ከምዝግባእ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣገንዚቡ።

ኣብቲ ቤት ፅሕፈት ክፍሊ ፕሬስ ሴክሬታሪያት ኣብ ዝተፈላለያ ሚኒስቴራት ዝርከቡ ሞያተኛታት ኮሚኒኬሽን ዘተኣኻኸበ ስራሕቲ ኮሚኒኬሸን መንግስቲ ንምብራኽ መእንታ ክከኣል ኣብ ”ዘበናዊ ኮሚኒኬሽን”  ዝጠመተ ስልጠና ተዋሂቡ።

እቲ ስልጠና፥ ዓውዲ ኮሚኒኬሸን ዓለመን ኢትዮጵያን ብምግንዛብ ብዛዕባ ፖሊሲታት፣ ኣገልግሎትን ቁልፊ ስራሕቲ መንግስቲን ጠቐምቲ መረዳእታታት ብእዋኑ ብምቕራብ ዝጠመተ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ማዕቐፋት ሕጊን በቶም ሕጊታት ናይ ምምራሕ መለክዒታትን ግልፂ ኣብ ምግባር  ዘድሃበ ከመዝኾነ ተሓቢሩ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment