ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን “ክነዕውቶ ኢና ውፅኢታዊ ህንፀት ኢንዱስትሪ ኮንስትራክሽን ንምዕባለ ኢትዮጵያ” ብዝብል መሪሕ ቃል ሃገር ለኸ ጉባኤ የካየድ ኣሎ።
ሚኒስትር ኮንስትራክሽንን ልምዓት ከተማን ኢንጂነር ኣይሻ መሓመድ፥ ካብ ፅባሕ ሃገራዊ ሪፎርም ኣትሒዙ ኢንዱስትሪ ኮንስትራክሽን ዘንሳዕርረሉ ምዕሩይ ኩነታት ተፈጢሮምሉ ንህንፀት ሃገር ዘለዎ ግደ ንምውፃእ ፃዕሪ እናተገበረ ከምዝርከብ ገሊፀን፡፡
እተን ሚኒሰስትር ኣብቲ ዓውዲ ዝተረኸቡ ዓወታት ከም መርኣያ ዘቕረባ እንትኾና፥ ኣብ ስርዓት ምምራሕ ኢንዱስትሪ፣ ምምሕዳርን ምቁፅፃርን ዝተፈላለዩ ማዕቐፍ ሕጊታት ንኽወፅኡን ክትግበሩን ናይ ምግባር ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ገሊፀን፡፡
ኣብቲ መድረኽ ኣመራርሓታት፣ መዳርግቲ ኣካላትን ሰብ ሞያታትን ኢንዱስትሪ ኮንስትራክሽን ከምኡ እውን ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽ ተሳተፍቲ ኮይኖም፡፡
ደሽቲ ቴክኖሎጂታትን ተሞክሮታትን ፍኖተ ካርታ 30 ዓመት ኢንዱስትሪ ኮንስትራክሽን ቀሪቦም ዓሚቕ ልዝብ ከምዝካየደሎም ካብቲ ሚኒስትር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
እቲ ጉባኤ ንኽልተ መዓልቲ ዝፀንሕ እንትኸውን፥ ዝተፈላለዩ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ቀሪቦም ክዝተየሎም ኢዩ ተባሂሉ፡፡
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ
ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ
ይግበሩ/ራ!