ውድድር ዓብዪ ጉያ ብሰላም ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ንመበል 23 ግዘ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ውድድር ዓብዪ ጉያ ብሰላም ከምዝተዛዘመ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ውድድር ጉያ ናይ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ሃገራት ተሳተፍቲ፣ ኣምባሳደራት፣ ዕዱማት ኣትሌታት ከምኡ እውን 45 ሺሕ ዜጋታት ከምዝተሳተፉ ተሓቢሩ፡፡

እቲ ውድድር ብሰላም ተጀሚሩ ብሰላም ንኽዛዘም ብወገን ሓይ ፀፅታ እኹል ምድላው ካብ ምግባሩ ብተወሳኺ ብዝተፈላለዩ ኣማራፂታት ሚዲያ ንሕብረተሰብ ግቡእ ሓበሬታ ክበፅሕ ከምዝተገበረ ተገሊፁ፡፡

ውድድር እዚ ዓመት ብሰላም ንኽዛዘም ሓይሊ ፀፅታ፣ ተሳተፍቲ እቲ ውድድርን ነበርቲ እታ ከተማን ዘዘበርከቱዎ ኣስተዋፅኦ ዕዙዝ ከምዝኾነ እቲ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ እዚ ንዘዕወቱ ኩሎም ኣካላት ምስጋና ኣቕሪቡ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment