ውድብ ጥዕና ዓለም ፍቓድ እንተተውሃቦ እውን ናብ ትግራይ ዘጎዓዓዞ ሓገዝ ዘይምህላዉ ተረጋጊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) ውድብ ጥዕና ዓለም 95 ሜትሪክ ቶን መድሓኒትን እታዎታት መድሓኒትን ናብ ትግራይ ንከጎዓዕዝ  ፍቓድ እንተተውሃቦ እውን ክሳብ ሐዚ እታወታት መድሓኒት ምጉዕዓዝ ከምዘይጀመረ ካብ ብሄራዊ ኮሚሽን ስግኣት ሓደጋን ኣመራርሓ ስራሕን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም እቶም መድሓኒታት ናብ ተግራይ ከይነጎዓዕዝ መነግስቲ ኢትዮጵያ ፍቓድ ከልኪሉና ብምባል ብተደጋጋሚ ክሲ እንተቕረቡ እውን፥  ኮሚሽነር ኮሚሽን ስግኣት ሓደጋን ኣመራርሓ ስራሕን ምትኩ ካሳ ከምዝበልዎ እቲ ትካል እታዎታት መድሓኒት ንከየጎዓዕዝ ዝኸልከሎ ኣካል የለን።

ቅድመ ሐዚ ፍቓድ ከመዘተውሃቦ እናተፈለጠ ተኸልኪለ ብዝብል ዘቕርቦ ክሲ መሰረት ኣልባ ኢዩ ኢሎም።

ኣቕርቦት መድሓኒት ናብ ተግራይ ንከጎዓዕዝ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 14 መጋቢት  ብሚኒስቴር ጥዕና ፍቓድ ከምዘተውሃቦ ተሓቢሩ።

ተወካሊ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ብሚኒስቴር ጥዕና ብዛዕባ ዝተውሃበ ፍቓድ ኣመስጊኖም፥ 15 መጋቢት 2022 ዓ.ም.ፈ ነቲ ኮሚሽን ብዝፀሓፍዎ ደብዳበ ካብ 21 መጋቢት 2022 ዓ.ም.ፈ ጀሚሩ ክሳብ 20 ሚያዚያ   2022 ዓ.ም.ፈ ኣቕርቦት መድሓኒት ናብ ትግራይ ከምዘጎዓዕዝ ኣፍሊጡ።

ይኹን እንበር  ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዘሎ ተወካሊ ብተፃራሪ 17 መጋቢት 2022 ዓ.ም መነግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ኣቕርቦት መድሓኒት ንከይኣቱ ከልኪሉ ክብሉ ስኑዕ ሓበሬታ ኣቕሪቦም።

 

ሓላፊ ርክብ ህዝቢ እቲ ኮሚሽን ደበበ ዘውዴ፥ ውድብ ጥዕና ዓለም ካብ 21 መጋቢት 2022 ዓ.ም ጀሚሩ ነዝሓለፉ ክልተ መዓልታት ምንም ዓይነት ሓገዝ ናብ ተገራይ ከምዘየጎዓዓዘ ንኢፕድ ብዝሃብዎ መብርሂ ኣረጋጊፆም።

ብተመሳሳሊ ክፍሊ ኮሚኒኬኝን ተወካሊ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ፥ እቲ ትካል ኣብዚ ሐዚ እዋን ምስ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ብምዃን ኣብ ምድላው ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment