ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ካብ ስነ-ምግባር እቲ ትካል ዝወፅአ ተግባር ጠጠው ንኸብሎ ኢትዮጵያ ሓቲታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቦርድ ፈፃሚ ስራሕ ውድብ ጥዕና ዓለም ዋና ዳይሬክተር እቲ ትካል ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ካብ ስነ-ምግባር እቲ ትካል ብዝተፃረረ መገዲ ናይ ሕሶት ሓበሬታ ካብ ምፍናው ተግባሮም ጠጠው ንኸብሎ ቤት ፅሕፈት ቀዋሚ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ ጄኔቫ ሓቲቱ።

እቲ ቤት ፅሕፈት፥ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ንኢትዮጵያ ኣመልኪቶም ኣብ ዘጋውሑዎ ናይ ሕሶት ሓበሬታን ፕሮፓጋንዳን አመልኪቱ መግለፂ ኣውፂኡ፡፡

ኣብ ጋዜጣዊ መግለፂ ድማ፥ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 3 ሕዳር 2020 ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ከምዝፈፀመ ኣዘኻኺሩ፡፡

እቲ መጥቃዕቲ ካብ ዝፍጠም ጀሚሩ ካብ ሞንጎ ላዕለዎት ኣመራርሓታት ስሞም ዝፅራሕ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፥ ብዝተናበበን ኣብ ትሕቲ ሰንሰለት እዚ ህወሓት ብምዃን ትእዘዛዝ ብምፍፃም እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ናይ ሕሶት ፕሮፓጋንዳ እናጋውሑ ከምዝፀንሑ ኣመልኪቱ፡፡

እቲ መግለፂ፥ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ይምቹ ኢሎም ኣብ ዝሓሰቡዎም ኣጋጣሚታት ኩሎም ህወሓት ዝፍፅሞም ዘይሕጋዊ ተግባራት እንትድግፉ ተራኢዮም ኢዮም ኢሉ፡፡

ዶክተር ቴድሮስ፥ ህወሓት ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ኣቢያተ ትምህቲ፣ ትካላት ጥዕና፣ ኣገልግሎት መውሃቢ ትካላትን መሰረተ ልምዓታትን እንተዕኑ እንትኹንኑን እንተቃልዑን ተራኢዩ ከምዘይፈልጡ እውን ኣዘኻኺሩ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ወራር ዝፈፀመሎም ትካላት ህዝቢ ምዕናው፣ ኢ-ሰብኣዊ ተግባራት ምፍፃምን ናይ ምጭፍጫፍን ተግባራት ሕዚ እውን ኣብተን ክልላት ከምዝቐፀለ እቲ መግለፂ ኣብሪሁ፡፡

እቶም ዋና ዳይሬክተር ጉዳይ ሰብኣዊን ቤተሰባዊን ብምምሳል ኣብ ውሽጢ ውድብ ጥዕና ዓለም ዘለዎም ስልጣን ሽም መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምጥፋእ እናተጠቐሙሉ ከምዝኾኑ ገሊፁ።

በቲ ተግባሮም ድማ ፅቡቕ ሽም፣ ዘይሻረውነትን ተኣማኒነትን ውድብ ጥዕና ዓለም ኣዚዩ ከምዝጎድኦ ኣገንዚቡ።

ንካልኦት ኣርኣያ ክኸውን ዝግበኦ ዋና ዳይሬክተር ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ኣባል ሃገር በደል ብምፍፃም ልዑል ጥሕሰት ስነ-ምግባር ከምዝፈፀመ ኣመልኪቱ።

እዚ ደምቢ ስነምግባር ውድብ ጥዕና ዓለም ዝጠሓሰ ተግባር እቶም ዋና ዳይሬክተር፥  ኣፈፃሚ ቦርድ እቲ ትካል ብቅልጡፍ ንኽምርምር ሓቲቱ።

እቲ ቤት ፅሕፈት ኣብ መግለፂኡ፥ ስምዕታ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብቲ ትካል ዘለዎም ሓላፍነት ንውልቀ ፖለቲካዊ ዕላማ እናተጠቐሙሉ ስለዝኾኑ ብምግላፅ ነቲ ቦርድ ብዕሊ ቅሬትኡ ከምዘእተወ ኣፍሊጡ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ኣባል ሃገር እናተፈፀመ ዝርከብ በደል ጠጠው ከብሎ ከምዝግባእ ዝሓበረ እቲ መግለፂ፥ ኣብ ልዕሊ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ዘይደንጎየ ግቡእ ስጉምቲ ንኽውሰድ ኣተሓሳሲቡ።

እዋናዊን ዝተማለአን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment