ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ኣተሓሕዛ ለበዳ ቫይረስኮሮና ዘባኸኖ ግዜ የለን-ዶክተር ቴድሮስ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዳይሬክተር ጀነራል ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፥ “ኣብ ኣተሓሕዛ ለበዳ ቫይረስኮሮና ውድብ ጥዕና ዓለም  ምዝሕሓል ኣርእዩ” ንዝብል ነቀፌታ ነፂገምዎ።

ዶክተር ቴድሮስ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ንቫይረስኮሮና ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 30 ጥሪ 2020 ዓለማዊ ለበዳ ኢሉ ምእዋጁ ካልኦት ትካላት ጥዕና እኹል ምድላዋት ክገብራ ዘኽእለን ዘይተኣደነ ግዜ ከምዝነበረን’ውን ሓቢሮም።

ኣብ 30 ጥሪ 2020 ካብ ቻይና ወፃኢ 82 ሕሙማት ኮቪድ-19 ጥራይ ከምዝነበሩ ዘዘኻኸሩ ዶክተር ቴድሮስ፥ ሐዚ ግን እቲ ቁፅሪ ብብርኪ ዓለም ናብ 3 ነጥቢ 2 ሚልየን ክብ ከምዝበለን ሞት 235 ሽሕ ከምዘስዓበን ተዛሪቦም።

ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንውድብ ጥዕና ዓለም “ምስ ቻይና ብምውጋን ኣብ ግብረ መልሲ ዝሕታለ ኣርእዩ” ብምባል’ዮም ነቲ ውድብ ዝኸስዎ።

ዶክተር ቴድሮስ ብግደኦም፥ ቅድሚ እቲ ሕማም ለበዳ ተባሂሉ ምእዋጁ ኣብ ዝነበረ ግዜ እቲ ውድብ ባህሪ እቲ ቫይረስ ንምፅናዕ ክሳብ ቻይና ብምኻድ ነቲ ግዜ ብግቡእ ከምዝተጠቐምሉ ኣብሪሆም።

ቫይረስኮሮና ዓለማዊ ለበዳ ተባሂሉ ካብ ዝእወጅ ሰለስተ ኣዋርሕ ከምዘሕለፈ ብምዝኽኻር፥  ክሳብ ሐዚ ዓለማዊ ስግኣት ኮይኑ ይቕፅል ምህላዉ እውን ገሊፆም።

ስለዝኾነ “ኣብ ኣተሓሕዛ ለበዳ ቫይረስኮሮና ውድብ ጥዕና ዓለም  ምዝሕሓል ኣርእዩ” ንዝብል ነቀፌታ ብምንፃግ፥ “ዘባኸንናዮ ግዜ የለን” ዝብል ምላሽ ከምዝሃቡ ተሓቢሩ።

ዶክተር ቴድሮስ ብምስዓብ፥ እዚ ሕማም ኣብተን ትሑት ትሕተ ቅርፂ ጥዕና ዘለወን ሃገራት ብናህሪ ይላባዕ ምህላዉ ዘለዎም ስክፍታ’ውን ገሊፆም’ሎዉ።

ሰብ መዚ እቲ ውድብ ኣብ ከም ሃገራት ሃይቲ፣ ሶማልያን ሱዳንን እቲ ሕማም ብቅልጡፍ ይላባዕ ምህላዉ ዘለዎም ስክፍታ ምግላፆም ይዝከር።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment