ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ምድሓን ህይወት ደቂ ሰባት ከድህብ ኢዩ – ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ምድሓን ህይወት ደቂ ሰባትን ኣብ ምክልኻል ምቁፅፃርን ቫይረስ ኮሮና ከምዘድህብ ዋና ዳይሬክተር እቲ ውድብ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገሊፆም።

ዶክተር ቴድሮስ፥ “ዝባኽን ሰዓት የለን” ክብሉ ኣብ ማሕበራ ሚዲያ ትዊተር ገፆም ፅሒፎም።

ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፥ ሃገሮም ንውድብ ጥዕና ዓለም እትገብሮ ሓገዝ ደው ከምእተብል ምግላፆም ስዒቡ ብዙሓት ሃገራትን ዓለም ለኸ ትካላትን ተቓውሞ እናስምዑ ይርከቡ።

ቻይና ንውሳነ ዶናልድ ትራምፕ ብምቅዋም ነቲ ትካል ትገብሮ ሓገዝ ከምትቕፅል ገሊፃ።

ዝርገሐ ኮቪድ-19 ብዝምልከት ቀንዲ ፍልፍል ሓበሬታ ዝኾነ ጆንስ ሆፕኪንስ፥ ኣብዚ ከቢድ እዋን ዝተወሰነ ውሳነ ከምዝኾነ ብምቅዋም “ሕማቕ መልእኽቲ ዘመሓላልፍ ውሳነ” ክብል ገሊፁዎ።

ሓላፊ ጉዳያት ወፃኢ ሕብረት ኣፍሪካ ጆሴፍ ቦሬል ብግደኦም፥ 27ቲአን ኣባል ሃገራት እቲ ሕብረት ኣሜሪካ ሓገዝ ንምቁራፅ ብምውሳና ከምዘሓዘና ገሊፆም።

ቫይረስ ኮሮና ንምቁፅፃር፥ ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ሃለዋት ውድብ ጥዕና ዓለም ከምዘድሊ እውን ተዛሪቦም።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋቂ ማህማት፣ መስራቲን ዋና ፈፃሚ ስራሕን ኩባንያ ማይክሮሶፍት ቢል ጌትስ፣ ካልኦት ትካላትን ውልቀ ሰባትን እውን ንውሳነ ፕሬዚዳንት ትራምፕ ተቓውሞኦም ኣስሚዖም ኣለዉ።

ቢል ጌትስን በዓልቲ ገዝኦም ማሊንዳ ጌትስን፥ ዶናልድ ትራምፕ ሃገሮም ንውድብ ጥዕና ዓለም እትገብሮ ሓገዝ ኣብዚ እዋን ክተቋርፅ ምውሳኖም “ሓደገኛ” ክብሉ ገሊፆምዎ።

“ዓለም ንውድብ ጥዕና ዓለም ካብ ካልእ እዋን ብዝበለፀ ትደልዮ እያ” ክብሉ ኣብ ማሕበራ ሚዲያ ትዊተር ገፆም መልእኽቲ ኣሕሊፎም።

ፍልፍል፦ ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment