ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ውድብ ጥዕና ዓለም ንኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ሓገዝ ናውቲ ሕክምና ገይሩ።
እቲ ሓገዝ ኣብ ኢዮጵያ ዝርገሐ ኮቪድ-19 ንምክልኻል ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ንምድጋፍ ዝውዕል ከምዝኾነ ካብቲ ትካል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
መሳርሒታት መተንፈሲ፣ ኩነታት ተሓከምቲ ዝከታተል መሳርሒ፣ መለክዒ መጠን ደምን መሳርሒታት መከፋፈሊ ኦክሲጅንን ዘካተተ ሓገዝ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ካብዚ ብተወሳኺ ሓገዝ ክልተ ቶዮታ ተሸከርከርቲ ተገይሩ ኢዩ።
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ
ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…
ይግበሩ/ራ!