ውድብ ጥዕና ዓለምን ካናዳን ኣብ ኢትዮጵያ መሰረታዊ ግልጋሎት ጥዕና ንምምላእ ዘኽእል ሓገዝ ዕላዊ ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ውድብ ጥዕና ዓለምን ካናዳን ምስ ለበዳ ቫይረስኮሮና ተተሓሒዙ ኣብ ኢትዮጵያ መሰረታዊ ግልጋሎት ጥዕና ንምምላእ ዘኽእል ሓገዝ ዕላዊ ገይሮም።

ቀዳማይ ብርኪ ዓቕሚ ሓለዋ ጥዕና ንምጥንኻር ዝዓለመ እቲ ሓገዝ፥ 9 ነጥቢ 9 ሚሊየን ዶላር ካናዳ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ድማ ደቂ ኣንስትዮ፣ ህፃናትን ተቓላዕቲ ዝኾኑ ክፋላት ማሕበረሰብን ግልጋሎት ጥዕና ተበፃሒ ንምግባር ከምዝሕግዝ እውን ተገሊፁ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ መሰረታዊ መከላኸሊ መገዲታት ኮቪድ-19 ብግቡእ ብምትግባር ተቓላዕነት ሕብረተሰብ ንምንካይ ከምዘኽእል ተገሊፁ፡፡

ተወካሊ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ዶክተር ቦሬይማ ሃማ ሳምቦ ንመንግስቲ ካናዳ ኣመስጊኖም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment