ኣዲስ ኣበባ ፣ 13 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኮሚቴ ኣምባሳደራት ውድብ መንግስታት ኣፍሪካ፣ ካሪቢያንን ፓስፊክን ኣብ ሕብረት ኣፍሪካን ኢትዮጵያን፤ ብሕብረት ኣፍሪካ ሕፁይ ዋና ዳይሬክተር ትካል ኢንዱስትሪ ልምዓት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኮይኖም ንዝቐረቡ ዶክተር ኣርከበ ዑቑባይ ዘለዎም ድጋፉ ገሊፆም።
ዶክተር ኣርከበ ዑቑባይ ብሕብረት ኣፍሪካ ሕቡራት መንግስታት ።
ዶክተር ኣርከበ ዑቑባይ ዋና ዳይሬክተር እቲ ትካል ኮይኖም እንተተመሪፆም ክሰርሑዎም ብዛዕባ ዝኽእሉ ስራሕቲን ዕዉት ስረሖምን ኣመልኪቶም ነቶም ኮሚቴ ኣምባሳደራት መብርሂ ሂቦምዎም።
ስለዝኾነ ድማ ሓምለዋይ ተኮር ዝኾነ ኢንዱስትሪያላይዜሽን ብዝበለፀ ንምድንፋዕ፣ ማዕርነት ፆታን ፍትሓዊነትን ንምርግጋፅን ከምዝሰርሑ ምግላፆም ካብቲ ትካል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ኮሚቴ ኣምባሳደራት ውድብ መንግስታት ኣፍሪካ፣ ካሪቢያንን ፓስፊክን ብግደኦም፥ ዶከተር ኣርከበ ዑቕባይ ነቲ ቦታ ብቑዕ ከምዝኾኑን ኣባል ሃገራት እቲ ውድብ ኣብ እዋን መረፃ ድምፆም ንኽህቡዎም ፃውዒት ኣቕሪቦም።
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ
ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…
ይግበሩ/ራ!