ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ብድርቂ ንዝተጎድኡ መጣየሺ ዝውዕል 1 ቢሊየን ዶላር ንምሃብ ቃል ኣቲዩ።
ቤት ፅሕፈት መተሓባበሪ ሰብኣወ ጉዳያት እቲ ትካል ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ክዝሓበሮ፥ ካብ ለገስቲ ኣካላት ዝተኣከበ እቲ ገንዘብ ብድርቂ ንዝተጎድኣ ኢትዮጵያ፣ ኬንያን ሶማሊያን ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ ዝውዕል ኢዩ ተባሂሉ፡፡
ብፍላይ ድማ ኣብ ሽዱሽተ ክልላት ሶማሊያ ዘሎ ኩነታት ከምዝኾነ ዝሓበረ እቲ ቤት ፅሕፈት፥ ዝናብ ብእዋኑ ዘይዘንብ እንተኾይኑን ከይዲ ሰብኣዊ ሓገዝ እንተዘይተጣናኺን ዘስካሕኽሕ ጥሜት ክፍጠር ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ፡፡
ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ንኣርባዕተ ተኸታተልቲ እዋናት ትሑት መጠን ዝናብ እናረኸበ ምዃኑን በዚ ምኽንያት ሓደ ሚሊየን ዜጋታት እቲ ዞባ ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉ ከምኡ እውን ሰለስተ ሚሊየን ዝኾና እንስሳት ብስእነት ማይን ጋህፂን ከምዝሞቱ እቲ ቤት ፅሕፈት መተሓባበሪ ኣብ መግለፂ ኣመልኪቱ፡፡
ውድብ ሕቡራት መንግስታት ከምዝሓሮ ኣብ ሶማሊያ ልዕሊ 6 ሚሊየን ሰባት ኣብ ውሽጢ ስእነት ምግቢ ዝርከቡ እንትኾኑ፥ ኣብ ኬንያ ዝርከቡ 3 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዜጋታት ከምኡ እውን ኣብ ኢትዮጵያ 6 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዜጋታት ንሕፅረት ምግቢ ከምዝተቓልዑ ካብቲ ትካል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።