ውድብ ሕቡራት መንግስታት ንዕውትነት ቀጠና ናፃ ንግዲ ኣፍሪካ ሓቢሩ ንምስራሕን ደገፍ ንምግባርን ድልዊ ኢዩ-ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ውድብ ሕቡራት መንግስታት ንዕውትነት ቀጠና ናፃ ንግዲ ኣፍሪካ ሓቢሩ ንምስራሕን ደገፍ ንምግባርን ድልዊ ኢዩ ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት(ውሕመ) ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ ገሊፆም።

መበል 36 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ “ትግበራ ስምምዕነት ናፃ ንግዲ ቀጠና ምቅልጣፍ” ብዝብል መሪሕ ቃል ሎሚ ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ ጉባኤ ብምርካብ መደረ ዝገበሩ እቶም ዋና ፀሓፊ፥ ኣፍሪካ ወናኒት ሃፍቲ ተፈጥሮ እንተኾነት እውን ክሳብ ሐዚ ብኣግባቡ ኣይተጠቐመትሉን ኢሎም።

እታ ኣህጉር ብዝተፈላለዩ ሰብ ስራሕን ተፈጥሮኣዊን ፀገማት ትፍተን ከምዘላ በምግላፅ፥ ንዘላቒ ሰላም፣ ልምዓትን ሓበራዊ ተረባሕነትን ብሓባር ምስራሕ ይግባእ ክብሉ ገሊፆም።

ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ኣፍሪካ ልምዓትን ምዕባለን ተስፋ ዝተገበረሉ ቀጠና ናፃ ንግዲ ኣፍሪካ ሓቢሩ ንምስራሕን ደገፍ ንምግባርን ድልዊ ኢዩ ኢሎም።

ስርዓት ፋይናንስ ዓለም ፍትሓዊ ብዝኾነ መገዲ ንኣፍሪካ ይኹን ኣብ ምምዕባል ዝርከቡ ሃገራት ብዝረብሕ መልክዑ ምቕናይ ከምዝግባእ ተዛሪቦም ግብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

Comments (0)
Add Comment