ውድብ ሕቡራት መንግስታት ቫይረስ ኮሮና ንምዕጋት ፃውዒት ሓገዝ 10 ነጥቢ 3 ቢሊየን ዶላር ኣቕሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ውድብ ሕቡራት መንግስታት ቫይረስ ኮሮና ንምዕጋት ፃውዒት ሓገዝ 10 ነጥቢ 3 ቢሊየን ዶላር ኣቕሪቡ።

እቲ ውድብ ቫይረስ ኮሮና ንምዕጋት ንምትእኽኻብ ዝሓተቶ መጠን ገንዘብ ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝሓተቶ መመጠን ዝለዓለ ቁፅሪ ኢዩ ተባሂሉ።

እቲ ገንዘብ ንረብሓ ትሑት ኣታዊ ዘለወን ሃገራት ከምዝውዕል እውን ተገሊፁ።

ብኻሊእ መዳይ ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ክሳብ መወዳእታ እዚ ዓመት 256 ሚሊየን ዝኾኑ ሰባት ንጥሜት ክቃልዑ ከምዝኽሉ ተሓቢሩ።

ፍልፍል፡- ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment