ውዳበታት ዳያስፖራ ናይ ኩሉ ድምፂ ብማዕረ ዝስመዐሎም ክኾኑ ይግባእ – ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ውዳበታት ዳያስፖራ ንኢትዮጵያ ዝመስሉን ናይ ኩሉ ድምፂ ብማዕረ ዝስመዐሎምን ክኾኑ ከምዝግባእ ሚኒስትር ዲኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር ዴኤታ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ምስ ዝሓቖፈ ጉጅለ ልኡኽ ኣባላት ዓለም ለኸ ዳያስፖራ ንምዕባለን ብዝሃነትን ኢትዮጵያን ምፍላጥን ዘተን ኣካይዶም፡፡

ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣብቲ እዋን÷ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ዝገብሩዎ ኣስተዋፅኦ ዝበረታታዕ ከምዝኾነ ኣልዒሎም፡፡

ዳያስፖራ ኣብ ዝማዕበለ ሃገር፣ ባህሊን ዴሞክራሲ ዝነብር ከም ምዃኑ መጠን ብኡ ልክዕ ንምዕባይን ንምንልፃን ክሰርሕ ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቦም።

ካብዚ ብተወሳኺ ናይ ኩሉ ድምፂ ብማዕረ ዝስመዐሉን ንኢትዮጵያ ዝመስል ጥንኩር ውዳበን ንኽፈጥሩን ምግላፆም እውን ካብ ኣገልግሎት ዳያስፖራ ኢትዮጵያ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ።

Comments (0)
Add Comment