ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ውርርድ ስፖርት ወይ ድማ ቤቲንግ ንኽእገድ ብዕቱብ እናሰርሐ ምዃኑ ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ሚኒስቴር ተወካሊ ዳይሬክተር ልምዓት ስብእ መናእሰይ ኣይተ ኣበበ ሃይማኖት ከምዝገለፁዎ፥ ምስ ህንፀት ስብእና መናእሰይን ሰገናትን ከምኡ እውን ብዝተፈላለየ መገዲ ብመንፅር ዘስዕቦም ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ናዕቢታት ክእገድ ይግባእ ብዝብል ብዕቱብ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ገሊፆም።
ውርርድ ስፖርት ንምእጋድ ዝተፈላለዩ መድረኻት ምንቅስቓስ ተሰናዲኦም እናተኻየዱ ምፅነሖም ዝገለፁ እቶም ሓላፊ፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት መሰል መድረኽ ዘተታት ብእኹል መጠን እናተኻየዱ ከምዘይኮኑ ተዛሪቦም።
ኣብ ዝተፈላለየ እዋን በቲ ሚኒስቴር ቤት ዕዮ ዝተሰናድኡ ዳህሳስ መፅናዕቲታት ውርርድ ስፖርት ንመናእሰይን ሰገናትን ብዙሕ ሓደጋ ዘንፀላለወ ምዃኑ ከምዝተገምገመ ምግላፆም ኢቢሲ ፀብፂቡ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።