ውሩይ ዳይና ኩዕሶ እግሪ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈሊዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ታሪኽ ዳይነት ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ንብዙሓት ዓማውቲ ዝፍለጡ ውሩይ ዓለም ለኻዊ ዳይና ኣለም ንፀብህ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈሊም።

ዳይና ኣለም ንፀበህ ፀወታታት ካብ ምምራሕ ጀሚሮም ተዓዛቢ ፀወታታት ብምዃንን ብዙሓት ዳያኔ,ኑ ኣምሂሩ ብምብቃቕ የፍለጡ፡፡

ዝሓለፉ ዓማውቲ ብምኽንያት ዘጋጠሞም ሕመም ሕክምነኦም እናተኸታተሉ ብምፅናሕ ሎሚ መዓልቲ ካብዛ ዓለም ብሞት ምፍላዮም ሶከር ኢትዮጵያ ፀብፂቡ፡፡

ስነስርዓት ቀብሮም እውን ሎሚ መዓልቲ ሰዓት 9 ስድረኦምን ፈተውቶምን ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ኡራኤል ተፈፂሙ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment