ውሕመ ፀገማት ኣፍሪካ ኣፍሪካዊ መፍትሒ ክረኽቡ ኣድላዪ ሓገዝ ከምዝገብር ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ንኣፍሪካዊ ፀገማት ኣፍሪካዊ መፍትሒ ክረኽቡ ኣድላዪ ሓገዝ ክገብር ኢዩ ክብላ ፍልይቲ ልኡኽ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ሃና ሰርዋ ገሊፀን።

ሃና ሰርዋ ኣፍሪካ ዘጋጥሙዋ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ፀገማት ባዕላ ናይ ምፍታሕ ዓቕሚ ዘለዋ ዓባይ ኣህጉር ከምዝኾነት ኣብሪሀን፡፡

ኣፍሪካ ዘጋጥሙዋ ዝተፈላለዩ ማሕለኻታት ባዕላ መፍትሒ ንመሃብ ትገብሮ ፃዕሪ ዝነኣድ ከምዝኾነ ብምፅራሕ÷ ንፀገማት ኣፍሪካ ኣፍሪካዊ መፍትሒ ዝብል ሓሳብ ጋህዲ ንምግባር ውሕመ ኣድላዪ ሓገዝ ከምዝገብር ገሊፀን።

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2017 ኣብ ሞንጎ ውሕመን ሕብረት ኣፍሪካን ኣብ ጉዳይ ሰላምን ፀፅታን ብሓባር ንምስራሕ ዝተፈረመ ስምምዕነት ተግባራዊ ንኽኸውን ትካለን ካብ ምምኻር ጀሚሩ ዝተፈላለዩ ሓገዛት እናገበረ ከምዝኾነ ኣብሪሀን።

ጉዳይ ሰላምን ፀፅታን ንኣፍሪካ እናፈተኑ ካብ ሞንጎ ዝርከቡ ፀገማት ብቕድሚት ዝፅራሕ ከምዝኾነ ምሕባረን ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

“ውድብ ሕቡራት መንግስታት ፀገማት ኣፍሪካ ብፍሪካውያን መፍትሒ ንኽረኽቡ ዝገብሮ ሓገዝ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ” ኢለን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment