ውሕመ ኣብ ከተማ ቡቻ ዝተፈፀመ ቅትለት ብዘይሻራዊ ኣካል ንኽፃረ ፃውዒት ኣቕሪቡ

ኣዲሰ ኣበባ፣ 26 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝ ኣብ ዩክሬናዊት ከተማ ቡቻ ዝተፈፀመ ቅትለት ንፁሃን ዜጋታት ዘይሻራዊ ኣካል ንኸፃርዮ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ጉተሬዝ ኣብ ትዊተር ገፆም ከምዝሓሩዎ፥ “ምስሊ ዝሞቱ ንፁሃን ዜጋታት ብምርኣየይ ተረቢሸ፤ ዘይሻራዊ ኣካላ ዝተፈፀመ ተግባር ብምፅራይ ገበነኛታት ተሓተትቲ ክግበር ኣለዎ” ኢሎም፡፡

ቅድሚ መዓልቲታት ኣብ ጥቓ ኬቭ ኣብ ትርከብ ከተማ ቡቻ ክሳብ ሕዚ 410 ዝኾኑ ንፁሃን ዜጋታት ከምዝተቐተሉ ሓበሬታታት የመላኽቱ።

ዩክሬን ንፁሃን ዜጋታት ብሩሲያ ተቐቲሎም ክትብል ውንጀላ ኣቕሪባ ኣላ።

ሩሲያ ብኣንፃሩ እቲ ጉዳይ ናይ ዩክሬን ድራማ እምበር ተግባር ወታደራት ሩሲያ ኣይኮነን ክትብል ውዱቕ ገይራቶ፡፡

ኣቐባሊ ቃል ክሬምሊን ዲሚትሪ ፔስኮቭ ኣብቲ ጉዳይ ኣመልኪቶም ህፁፅ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ውሕመ ንኽግበር ሓቲቶም ኢዮም።

መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት እውን ብግምት ንሩሲያ ካብ ምውንጃል ንኽዕቀባ ኣተሓሳሲቦም ክብል ሲጂቲኤን ፀብፂቡ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment