ውሕመ ንዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ኢትዮጵያ ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ውሕመ) ንህንፀት ዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ኢትዮጵያ ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፁ።

መበል 25 ዓለም ለኸ መዓልቲ ሰላም “ባህሊ ሰላም ምድንፋዕ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ሓለፍቲ ስራሕ ሚኒስቴር ሰላም፣ ውሕመ፣ ትካላት ሰብኣዊ መሰለን ህንፀት ሰላምን ከምኡ እውን ሓለፍቲ ስራሕ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ውሽጢ ሃገርን ዓለም ለኸን ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኸቢሩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዋና ተፀዋዒ ውሕመ ፕሮግራም ልመዓት ሳሙአል ዶ (ዶ/ር) ኣብቲ እን ከምዝበሉዎ፤ ኢትዮጵያ ብታሪኽን ብብዙሕነትን ዝማዕበለት፤ ዘላቒ ሰላምን ድሕንነትን ንምፍጣር ትተግህ ሃገር ኢያ።

“በዚ ድማ ሓድነትን ሓበራዊ ምምዕባለን ንምቕፃል ዝተሓንገጠቶ ራኢ ፍትሒ፣ ማዕርነትን ተስፋን ዝተጎናፀፈ ባህሊ ሰላም ንምድንፋዕ እትገብሮ ፃዕሪ ውሕመ ይድግፍ” ኢሎም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment