ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ውድን ሕቡራት መንገስታት ንዕውትነት ሃገራዊ ዘተደገፍ ከምዝገብር ኣተሓባባሪ ቤት ፅሕፈት ውሕመ ኣብ ኢትዮጵያ ዶክተር ካትሪን ሶዚ ኣረጋጊፆም።
ኮሚሽነራት ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ተቐማጥነቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ዝኾኑ ዲፕሎማቲክ ማሕበረሰብ ተዛቲዮም።
ኣካቢ እቲ ኮሚሽን ፕሮፌሰር መስፍን ኣርኣያ፥ ዕላማን ምስረታን፣ ኣወዳድባ፣ ከይዲ ኣሰራርሓ እቲ ሃገራዊ ዘተ፣ ቅድመ ምድላውን ቀፀልቲ ስራሕቲን እቲ ኮሚሽን ብዝምልከት መብርሂ ሂቦም።
እቲ ኮሚሽን ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ደገፍ ዝረኸበ፣ ካብ ታሕተዋይ ክፍሊ ማሕበረሰብ ጀሚሩ ንኹሉ ዘሳተፈን ሓሳብ ዝንሸራሸረሉን፣ ብመትከል ግልፀኝነትን ተሓታትነትን ዝምራሕ ከምዝኾነ እወን ተዛሪቦም።
ሃገራዊ ጉዳያት ብዝግባእ ዘተ ተገይሩሎምብሄራዊ ዕርቂ ዕላዊ ንምግባር ዘኽእል ቅድመ ምድላው ብምዝዛም ናብ ቀፃሊ ምዕራፍ ይኣቲ ከምዘሎ እውን ኣብሪሆም።
እቲ ሃገራዊ ዘተ ዝምራሕ ብዘይ ምንም ጣልቃ ኣእታውነትን ምጥዋይ ኢድን ብኢትዮጵያዊያን ከምዝኾነ ብምግላፅ እዚ ድማ ንዴሞክራሲ ዓብዪ ኣሰር ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ስለዝኾነ ዲፕሎማቲክ ማሕበረሰብ ንዕውትነት እቲ ፕሮጀክት ግድኡ ከበርክት ሓቲቶም።
ኣምባሳደር ሩሲያ ኣብ ኢትዮጵያ ቭጊኒ ተርኪን፥ እቲ ኮሚሽን ዕርቀ ሰላም ዕላዊ ብምግባርን ሀልውና ኢትዮጵያ ብምርግጋፅን ናብ ዝሓሸ ብርኪ ዘሻግርን ተስፋ ዝህብን ኢዩ ኢሎም።
ውድን ሕቡራት መንግስታት ንዕውትነት ሃገራዊ ዘተደገፍ ከምዝገብር ኣተሓባባሪ ቤት ፅሕፈት ውሕመ ኣብ ኢትዮጵያ ዶክተር ካትሪን ሶዚተዛሪቦም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።