ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ደመቀ መኮንን ምስ ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝ ተዛቲዮም፡፡
እቲ ዘተ ድማ “ሰላም ፣ምዕባለ፣ ለውጢን ዘላቒነት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ እናተኻየደ ምስ ዝርከብ መበል 78 ሓፈሻዊ ጉባኤ ውሕመ ጎድና ጎኒ ዝተኻየደ ኢዩ፡፡
ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝ ኣብቲ እዋን ዘተ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዓሚቕ ስምዒት ምሕዝነት ከምዘለዎም ኣብሪሆም፡፡
ኢትዮጵያ ዘለዉዋ ማሕበረ-ኢኮኖሚያዊ ፈተናታት ንምፍታሕ እናገበረቶ ትርከብ ፃዕሪ ዕዉት ንኽኸውን ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆም።
ውህመ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎ ርክብ ኣጠናኺ ንኽቕፅል ብቖራፅነት ከምዝሰርሑ ዝሓበሩ ጉተሬዝ÷ ኢትዮጵያ ብበዓል ብዙሕ ወገን ስርዓት ምትሕብባር ወሳኒ ግደ ዘለዋ ሃገር ከምዝኾነት እውን ገሊፆም፡፡
ኣይተ ደመቀ ብግደኦም÷ ውሕመን እቶም ዋና ፀሐፊ ብውልቀ ፃዕሮምን ኣብ ኣፀገምቲ እዋናት ንኢትዮጵያ ዝገበሩዎ ሓገዝ ንኢዶም።
ኣተገባብራ ስምምዕነት ሰላም ኣመልኪቶም ናኣንቶኒዮ ጉቴሬዝ ገለፃ መግባሮም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
ውሕመ ኣብ ፃዕሪታት ዳግመ ህንፀትን እግሪ ምትካልን ከምኡ እውን ኣብ ካልኦት ሰብኣዊ ጉዳያት ሓገዝ ንኽገብር ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com