ውሕመ ንኢትዮጵያ ዝኸውን 40 ሚሊየን ዶላር ሓገዝ ፈቒዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ውድብ ሕቡራት መንግስታት ንኢትዮጵያ ዝኸውን ሰብኣዊ ሓገዝን ህፁፅ እዋን ርዳእታን ዝውዕል 40 ሚሊየን ዶላር ምፍቃዱ ኣፍሊጡ።

ምክትል ፀሓፊን መተሓባበሪ ሓገዝ ህፁፅ እዋን ሰብ ኣዊ ጉዳያትን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ማርቲን ግሪፍትስ፥ እቲ ገንዘብ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዘሎ ጎንፂ ተጎዳእቲ ንዝኾኑ ዜጋታት ዝውዕል ኢዩ ኢሎም።

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ኣብ ደቡብ ክፋል ንዝተወለዐ ድርቂ ኣቐዲምካ ምላሽ ንመሃብ ክውዕል ኢዩ እውን ተባሂሉ።

ካብ ሞንጎ እቲ ዝተለቐቐ ገንዘብ 25 ሚሊየን ዶላር ካብ ማእኸላዊ ፈንድ ምላሽ እዋን ሓደጋ ውሕመ ዝተረኸበ እንትኸውን፥ ዝተረፈ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝርከብ ፈንድ ሰብኣ ሓገዝ ኢዩ።

እቲ ሓገዝ ገንዘብ ብፍላይ ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋርን ዝንቀሳቐሱ ሓገዝቲ ትካላት ብምሕጋዝ ዝግበር ምድሓን ህይወት ንምሕጋዝ ከምዝውዕል ካብቲ ትካል ዝረኸብናየጶ ሓሬታ የረድእ።

ብሚኪያስ ኣየለ

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment