ውሕመ ንመበል 21 ክፍለ ዘበን ዝምጥን ምምሕያሽ ንኽገብር ኢትዮጵያ ፀዊዓ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ውድብ ሕቡራት መንግስታት ንመበል 21 ክፍለ ዘበን ዝምጥን ዝተመሓየሸ፣ ብቑዕን ክትግበር ዝኽእልን ምምሕያሻት ንኽገብር ኢትዮጵያ ፃውዒት ኣቕሪባ።

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ትማሊ ዝተኸበረ መዓልቲ ውሕመ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ÷ መሳራቲ ኣባል ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝኾነት ኢትዮጵያ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 1945 ኣብ ዝራሕ ዝወዓሉ ቻርተራት ፅንሰ ሓሳብ እቲ ትካል ንተፈፃምነቶም ብቖራፅነት እናሰርሐት ከምትርከብ ገሊፁ።

ንሰላም ዓለምን ሓበራዊ ድሕንነትን ብመንፅር ዘለዋ ርኡይ ኣስተዋፅኦ ድማ ኢትዮጵያ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ጀሚራ ኣብ ልኡኽቶ ምኅባር ሰላም ውሕመ ልዑል ግደ እናተፃወተት ከምዝኾነት ኣመልኪቱ።

ኢትዮጵያ ኣብ ቻርተርን ውሕመን መሰረታዊ ፅንሰ ሓሳባትን ዝርከቡ በዓል ብዙሕ ወገን መምርሒታት እናኽበረት ኣብ ትርከበሉ እዋን÷ “ውድብ ሕቡራት መንግስታት ንመበል 21 ክፍለ ዘበን ዝምጥን ዝተመሓየሸ፣ ብቑዕን ክትግበር ዝኽእልን ምምሕያሻት ንኽገብር ፃውዒት ተቕርብ” ክብል እቲ ሚኒስቴር ገሊፁ።

ዓለም ለኸ በዓል ብዙሕ ወገን ዲፕሎማሲ÷ ንሰባት ወሰንቲ ፈተናታት ዝሐሸ ምላሽ ንመሃብን ኩለ መዳይ፣ ኣሳታፊ፣ ፍትሓዊን ወካሊን ክኸውን ከምዝግበኦ ኣብ መግለፂኡ ኣገንዚቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment