ውሕመ ተፈፂሞም ኣብ ዝተብሃሉ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ንኸካይዶ ዝሓሰቦ ተወሳኺ ምርመራ ተቐባልነት የብሉን – ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ውድብ ሕቡራት መንግስታት ተፈፂሞም ኣብ ዝተብሃሉ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ንኸካይዶ ዝሓሰቦ ተወሳኺ ምርመራ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ገሊፆም።

ኣምባሳደር ዲና ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ኣድሂቦም መግለፂ ሂቦም።

ኣብ መግለፂኦም ድማ ኣብ ሓበራዊ ፀብጻብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝተመልከቱ ምኽረ ሓሳባት ንምትግባር መንግስቲ ድሉው ከምዝኾነ ኣፍሊጦም።

ይኹን እምበር ብወገን ውሕመ ተወሳኺ ምርመራ ንምግባር ዝግበር ኣካይዳ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ገሊጾም።

ዘይተገደበ ተበፃሕነት ሰብኣዊ ሓገዝ ተጠናኺ ከምዝቐፀለ. ሃገራዊ ምኽክር ኣብ ከይዲ ከምዝኾን ሰላም ንምዕሳል ዝግበሩ ፃዕሪታት ተጠናኺሮም ከምዝቐፀሉን ተዛሪቦም።

ህወሓት ንፃዕሪታት ሰላም ፅቕ ምላሽ እናሃበ ከምዘይኮነን ንኻሊእ ኲናት እናተዳለወ ከምዝኾን እውን ፀሪሖም።

ነዚ ድማ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ንኽኹንና ሓቲቶም እቶም ኣቐባሊ ቃል።

ብወንደሰን ኣረጋሀኝ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment