ውሕመ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምፅዋር ዘኽእል ደገፍ 100 ሚሊየን ዶላር ሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ውድብ ሕቡራት መንግስታት(ውሕመ) ሰብኣዊ ቅልውላው ንምፅዋር ዘኽእል ደገፍ 100 ሚሊየን ዶላር ከምዝለገሰ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ትካል፥ ብፈንድ ደገፍ ህፁፅ እዋን(ዩኤን ሲ ኢአር ኤፍ) ኣቢሉ ዝተሰደደ እቲ ባጀት ሰብኣዊ ቅልውላዋት ንምፍታሕ ሕፅረት ገንዘብ ንዘጋጠሞም ኣካላት ተበፃሒ ዝኸውን ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ኣፍሪካ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላላያ አህጉራት ዝርከባ 10 ሃገራት እቲ ባጀት ከምዝበፅሐን ውሕመ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣፍሊጡ።

ኣተሓባባሪ ሰብኣዊ ጉዳያትን ደገፍ ህፁፅ ጊዘን ውሕመ ጆይስ ምሱያ፥ ዩኤን ሲ ኢአር ኤፍ ዘጋጥሞ ሕፅረት ባጀት ንምፍታሕ ለገስቲ ዘይተቛረፀ ደገፍ ንክገብሩ ሓቲቶም።

ኣብቲ ደገፍ፥ ኢትዮጵያ፣ ካሜሩን፣ ሞዛምቢክ፣ ማሊ፣ ቡርኪና ፋሶ፣ ቡሩንዲ፣ ማላዊ፣ የመን፣ ማይናማርን ሄይቲን ተረባሕቲ ከምዝኾና ተገሊፁ።

Comments (0)
Add Comment