ውሕመ ሓለዋ ብዝሃ ህይወት ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ንምሕጋዝ 20 ቢሊየን ዶላር ረቂቕ ሓገዝ ኣቕሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢሲ)ውድብ ሕቡራት መንግስታት ንሓለዋ ብዝሃ ህይወት ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ዝግበር ሓገዝ ብንኡሱ ናብ 20 ቢሊየን ዶላር ክብ ንኽብል ዝሓትት ረቂቕ ሓገዝ ኣቕሪቡ።

ውሕመ ዘቕረቦ ረቂቕ ብኢኮኖሚ ዝማዕበላ ሃገራት ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2025 ጀሚሩ ዝትግበር ከምዝኾነ ተሓሩ፡፡

እቲ ዓለም ለኸ ገንዘባዊ ሓገዝ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2030 ብውሑዱ ናብ 30 ቢሊየን ዶላር ክዓቢ ከምዝግባእ ምሕታቱ እውን ሲጂቲኤን ፀብፂቡ።

እቲ ሓገዝ ኣብ ምምዕባል ዝርከባን ኣናእሽተይ ደሴታትን ሃገራት ከመዘካትት ተሓሩ፡፡

ንመበል 15 ግዘ ኣብ ብዝሃ ህይወት ኣድሂቡ ዝዘተየ ጉባኤ ኮንቬክሽን ውሕመ፤ ኣብ ካናዳ ሞንትሪያ ተኻይዱ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment