ውልቀ ሰብ ሃፋቲ ኣብ ኢንቨስትመንት ዝሕደስ ሓይሊ ንኽዋፈሩ ዝፈቅድ ሕጊ ይሰናዳእ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ውልቀ ሰብ ሃፋቲ ኣብ ኢንቨስትመንት ምፍልለፋልን ምክፍፋልን ዝሕደስ ሓይሊ ንኽዋፈሩ ዝፈቅድ ማዕቐፍ ሕጊ እናተሰናደአ ምዃኑ ሚኒስቴር ማይን ኢነርጂን ኣፍሊጡ።

ሚኒስቴር ማይን ኢነርጂን ዓለም ለኸ ኣሊያንስ ሶላርን ኣብ ኢትዮጵያ ሓይሊ ፀሓይ ንምልማዕ ብስፍሓት ኣብ ረብሓ ንምውዓል ዘኽእል ምኽክር ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣካይዶም፡፡

ሚኒስትር ዴኤታ ማይ ኢነርጂን ሱልጣን ወሊ (ዶ/ር) ኣብቲ መድረኽ ከምዝበሉዎ÷ ኣብ 2022 ዓ.ም ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ሙሉእ ብሙሉእ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ተበፃሒ ንምግባር ይስራሕ ኣሎ፡፡

ብመሰረት እቲ ትልሚ 65 ሚኢታዊ ዝኸውን ጠለብ ሓይሊ ካብ ብሄራዊ ግሪድ ከምዝቐርብ ብምግላፅ÷ “35 ሚኢታዊ ድማ ካብ ዋና ቋት ሓይሊ ወፃኢ (ኦፍ ግሪድ) ዝቐርብ ኢዩ” ኢሎም፡፡

ብብርኪ ሃገር ካብ ፀሓይ ብርሃን ኣብ ሓደ ስኩየር ሜትሮ ቦታ ብሰዓት 5 ነጥቢ 5 ኪሎ ዋት ሓይሊ ናይ ምፍልፋል ዓቕሚ የሃሉ እምበር ክሳብ ሕዚ ኣብ ረብሓ ዝወዓለ ካብ 400 ሜጋ ዋት ከምዘይበልፅ ገሊፆም፡፡

ነዚ ድማ ውልቀ ኣልማዕቲ ኣብ ኢንቨስትመንት እቲ ዓውዲ ንኽዋፈሩ ዘኽል ማዕቐፍ ሕጊ ዘይምህላዉ ሓደ ምኽንያት ኢዩ ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ነዚ ኣሰራርሓ ብምቕያር ሰብ ሃፍቲ ኣብቲ ዓውዲ ንኸኣትዉ ዘኽእሉ ፖሊሲታት፣ ኣዋጃትን መምርሒታትን ዘጠቓለለ ማዕቐፍ ሕጊ እናተሰናደአ ከምዝኾነ ኣረጋጊፆም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment