ዋግዋጎ ሰላም ብምርካቡ ዝኸስር ህዝቢ ይኹን ኣጀንዳ ህዝቢ የለን – ዶ/ር ኣብርሃም በላይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዋግዋጎ ሰላም ብምርካቡ ዝኸስር ህዝቢ ይኹን ኣጀንዳ ህዝቢ ከምዘየለ ሚኒስትር ምክልኻል ዶክተር ኣብርሃም በላይ ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብዝኸፍአ ዂናትን ጥፍኣትን እናደመየት፣ ፀላእቲ ውሽጥን ደገን ግንባር ፈጢሮም እናጨነቕዋን ከምዝፀንሑን ገሊፆም።

“ብዝተፈለየ ብድሆታትን ሓላፍ ዘላፍ ፀገማትን ዝተፈተነ ሓድነትና ንምዕራይን ንምሕያልን ብዝለዓለ ትዕግስትን ከኣላይነትን ኩልና ሰዓርቲ እንኾነሉ እዋን ርሑቕ አይክኸውንን” ክብሉ ኣብሪሆም።

እቲ ተረኺቡ ዘሎ ዋሕታ ብርሃን ሰላም ካብ ዓንቀፍቲን ጠምዘዝቲን ምሕላው ይግባእ ዝበሉ ዶክተር ኣብርሃም÷ ንተግባራዊነቱ መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን፣ ሰብ ሞያ ጥበብን ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚድያን መራኸብቲ ሓፋሽን ህዝቢ ንምልዛብን ናብ ንቡር ንምምላስን ሓላፊነት ብዝተመልኦ መንገዲ ንክትነጥፉ ኣገንዚቦም።

ዶክተር ኣብርሃም በላይ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ ሙሉእ ትሕዝትኡ ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፦

ብጥንቃቐ ክተሓዝ ዝግበኦ ዋሕታ ሰላም!!”

ዋግዋጎ ሰላም ብምርካቡ ዝኸስር ህዝቢ ይኹን ኣጀንዳ ህዝቢ የለን፤ ብህዝቢ ስም ዝነግዱን ዂናትን ጎንፂን ዝሽቅጡ ሓይልታት እምበር።

ጥንታዊ ብሂል ቻይናውያን ከምዚ ይብል፥ “ፈልሲ ንምትካል ምሩፅ እዋን ቅድሚ ዕስራ ዓመት ነይሩ፤ ካልኣይ ምሩፅ እዋን ድማ ሐዚ እዩ።”

መላእ ኢትዮጵያውያን ብፍላይ ተጋሩ፣ ኣብ ኩሉ ዓንደፍቲ ዓለም እትነብሩ ኣባላት ማሕበረሰብ ዲያስፖራ፣ ምሁራት፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ ኣቦታትን ኣደታትን፣ መናእሰይ፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ኣክቲቪስትን፦

ሃገርና ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብዝኸፍአ ዂናትን ጥፍኣትን እንትደሚ፣ ፀላእቲ ውሽጥን ደገን ግንባር ፈጢሮም እናጨነቕዋ ሓግዮም እዮም።

ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኻ ተኣምር ክበሃል ብዝኽእል ኣብ 2010 ዓ/ም ሰላማዊ ስግግር ስርዓት ኣካይዳ ምንባራ ንኹልና ጋህዲ እዩ። ዘይምዕዳልን ሕፅረት ምስትውዓልን ኮይኑ፣ ሰላማዊ ስግግር ተዘሪጉ ኣብ ውሽጢ ዓቕሊ ዘፅብብን ዘፀንቅቕ ቃልሲ ፀኒሓ እያ።

እዚ ብተነፃፃሪ ሰላማዊን ሰናይን ዝነበረ ሰግግር ስርዓት፣ ብብዙሕ ፈተናታትን መስዋእትን ዝሓለፈ ዋላ እዃ እንተኾነ፣ ሐዚ እውን ዋሕታ ዘላቒ ብርሃን ሰላም ደጊምና ኣብ ኢድና ክነእቱ ኣኽኢሉና ኣሎ።

ዝተነፀጉ ሓደገኛ ሓተታታት፣ ካብ ዘጋጠሙና መጠነ-ሰፋሕቲ ጥፍኣታት፣ ምፍሳስ ደምን ሱር-ዝሰደደ ምድፍፋእን ሓሊፎም፣ ብዝረቐቐ መንገዲ ንመፈፀሚ ድልየት ባዕዳውያን ክውዕሉን ብታሪኽ ዘተዓዛዝብ ተግባር ክሕደትን ዝተፈፀሙሉ እዩ።

ሰላም እንትህሉ፥ እትሕብሕበ‍ኦን ከም ዕንቚ እትሕልዎን ኮይኑ፣ ብናይ ባዕሉ ዕላማ ድማ ቀንዲ ቑልፊ መሳርሒ ዕብየትን ምዕባለን እዩ። ብኣንፃሩ ብዝኾነ ይኹን መልክዑ እንትዝረግ ድማ ዝኾነ ይኹን ዕድል ተጠቒምካ ክፀሪ ምግባር፣ ክምለስ እውን ነዊሕ ርሕቐት ንምጉዓዝ እትውስነሉን ዘይትቕይዐሉን ክቡር ዛዕባ እዩ።

ሐዚ ኣብ ዝሓለፉ ኣፀገምቲ ኣዋርሕን ዓማውቲን ዝሓለፍናዮ መከራ ንምርታዕ፣ ፖለቲካዊ ዛዕባታትና፣ ፀገማት ሕግን ፍትሕን፣ ሕቶታት ሕገ-መንግስቲ፣ ክስን ካልኦት ውንጀላን ሓዊሱ ሓተታታትና እነዐርየሉ፣ ዝሰኸነ ዓውዲ ምይይጥን ኢሂን-ምሂንን ኣብ መላእ ኹርናዕ ሃገርና ክፍጠር ዝተርኣየ ዋሕታ ብርሃን ሰላም እንሕብሕበሉ እዋን ከምዝኾነ ብልቢ ክንርዳእ ይግባእ።

ብዝተፈለየ ብድሆታትን ሓላፍ-ዘላፍ ፀገማት ዝተፈተነ ሓድነትና ንምዕራይን ንምሕያልን ብዝለዓለ ትዕግስትን ከኣላይነትን ልቢ እንተዕበና ኩልና ሰዓርቲ እንኾነሉ እዋን ርሑቕ አይክኸውንን።

ብፍላይ ህዝቢ ትግራይ፦

ኣማራፂ ሰላም ንምስማዕን ሰላም ኮይኑ ንምርኣይን ዝህንጦ ኣብ ክሊ ዂናት ዝነብር ህዝብና እዩ። ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት መከራን ስቓይን እናረኣት ዝነብዐትን ንሰላም ዝተማህለለትን ዝፀለየትን ኣዶ እያ ጣዕሚነ‍እ ኣድላይነትን ሰላም እትፈልጦ።

ኣብ ርሑቕን ምቹው ቦታን ኮይንኩም ህዝብና ዝደልዮ ሰላም ንምፅላምን ሓሰረ-መከርኡ ክቕፅል ሐዚ እውን እትንቀሳቐሱ ውልቀ-ሰባት ኮንኩም ጉጅለ ካብ ሕሉፍ ንምምሃር ዘይምድላይኩም መርኣያ መለክዒ ጭካነኹም እዩ፤ ይኣኽለኩም፤ በቃ። ጉዳይ ሰላም ኣብ ትግራይ ንዝነብር ህዝቢ ንግደፈሉ፣ በዓል ዋንኡ ንሱ እዩ።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዘጋጠሙኻ ርኡያት ፀገማትን ብድሆታትን ብፉሉይ ገምጋም ክትፍትሽ ኢሉ እውን ዘላቒ ሰላምካ ክተግህድን ክተረጋግፅን ዘኽእል ብሩህ ተስፋ ኣብ መረባኻ በፂሑ ኣሎ ‘ሞ ንቓሕ!!

ኣብ ትግራይ ብዝኾነ ይኹን ሓይሊ ብዝወሃብ ትኳቦን መለዓዓሊን ከይተፀበኻ፣ ብዝሃ-ሓሳብን ኣወዳድባን ዝጠልብ ሰፊሕ መድረኽ ንክፍጠርን ትርጉም ዘለዎ ዕድል ሰላም ንምጥቃም ብህፁፅ ዓርስኻ ንምይይጥ ኣዳሉ፤ ዘብዒ ሰላምካ ዓርስኻ ምዃንካ ዘመስክር ውሕሉል ስጉምቲ ምውሳድ ክትጅምር የበረታትዐካ።

መንግስቲ ፌደራልን ሓይሊ ምክልኻል ሃገርን ጥጡሕ ኩነታት ንምፍጣር ኣብ ቀፃሊ ንዝወስዶም ስጉንትታት ደጊፍካ ደው ክትብል፣ ሓጋዛይነትካን ተሳትፎኻን ከይቆጠብካ ክትቅፅል ልባዊ መልእኽቲ ምስ ሓደራ የመሓላልፈልካ።

ቅድም ክብል ዘዘንተናዮ “ምሩፅ እዋን መትከሊ ፈልሲ” ጥንታዊ ብሂል ቻይናውያን ምዝካርን ብልቢ ምሕሳብን ኣገዳሲ እዩ።

ኣብ ትግራይ ኢሉ እውን ኣብ መላእ ሃገርና ሰላምን ምርግጋእን ክሰፍን ዝነበረና እዋን ኣብ መፈለምታ ለውጢ ዝተበሰረሉ ናይሎሚ ኣርባዕተ ዓመታት ከባቢ እዩ ነይሩ። ካልአዋይ ምሩፅ ዕድል ሰላም ድማ እንሆ ኣብ ኢድና ኣሎ እሞ ኩላህና ብሓበራ ንንቃሕ።

እዚ ኣጋጣሚ ዋሕታ ብርሃን ሰላም ካብ ዓንቀፍቲን ጠምዘዝቲን ኣሐይልና ንሓልዎ!፣ ስኽነትን ኢሂን-ምሂንን ነፅናዕ፣ ተግባርና ድማ ብዝተወደበ መንገዲ ንሓግዝ ይብል።

ኣብ መወዳእታ፣ ብዝሓለፈ‍እናዮ ፀገም ምኽንያት ዝተፈጥረ ከቢድ ስምዒት፣ ኣብ ስነ-ልቦና ዘይምትእምማንን ምዝሕሓልን ይርአ ኣሎ። በዚ መዳይ፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን፣ ሰብ ሞያ ጥበብን ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚድያን መራኸብቲ ሓፋሽን እዚ ኩነታት ህዝብና ንምልዛብን ናብ ንቡር ንምምላስን ሓላፊነት ብዝተመልኦ መንገዲ ክትነጥፉ ልዑል ሓደራ ዝተመልኦ መልእኽተይ ከመሓላልፍ ይፎቱ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment