ዋጋ እንተይተኸፈለ ዝለምዐ ወይ እውን ዝማዕበለ ሃገርን ህዝቢን የለን – ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ዋጋ እንተይተኸፈለ ዝለምዐ ወይ እውን ዝማዕበለ ሃገርን ህዝቢን የለን ክብሉ ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር) ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ ኢትዮጵያ ሰላማ እናፅነዐት ንጉዕዞ ምዓባለኣ መሰረት ዘንብሩ ማሕበረ ኢኮኖሚያዊ ልምዓታት እናቀላጠፈት ከምትርከብ ኣልዒሎም።

“ኢትዮጵያ ሰላም ምፅናዕ፣ ምህናፅን ዴሞክራሲን ምትካል ኣብ ከይዲ ድማ ዜጋታት ተጠቃሚ ምግባር ናይ ኩሉ እዋን ተግባርን ሕልማን ኢዩ” ኢሎም።

ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር) ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር ምስቶም ስራሕቲ ልምዓት ተተሓሂዙ እናተሰምዑ ዝርከቡ ግቡእነት ዘይብሎም ውንጀላታት ብዝምልከት ምላሽን መብርሂን ሂቦምሉ፡፡

ሰላምን ምርግጋእን ኢትዮጵያ ድቃስ ዝኸልኦም ናይ ውሽጢ ባንዳታት ምስ ታሪኻዊ ፀላእቲ ተጣሚሮም ከምወትሮም ሓደሽቲ ኣጀንዳታት ሒዞም ቅልቅል ምባል ከምዝጀመሩ ገሊፆም።

ኣብ ዝተጎሳቖለ፣ ንምንባር ይትረፍ እሞ በቲ ከባቢ ንምሕላፍ ዘስካሕኽሑ ሰፈራት እናፈረሱ ዜጋታት ምቹው፣ ፅሩይን ንምንባር ተስማዕማዒን ናብ ዝኾኑ ከባቢታት ምልዋጥ ምጅማሮም ድቃስ ከሊኡዎም ኣሎ” ክብሉ ኣብሪሆም።

ዝተቓላጠፈ ንግዲ፣ ትራንስፖርት፣ ሓደሽቲ ኢንቨስትመንት፣ ዕድል ስራሕ ምፍጣር፣ ፅሩይ ከባቢ ነዐኦም ባዶ ኢዩ” አሎም።

Comments (0)
Add Comment