ዋዕላ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ዕዉት ነይሩ-ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተሳለጠ መበል 35 ስሩዕ ዋዕላ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ዕዉት ነይሩ ክብሉ ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ተዛሪቦም።

ኣምባሳደር ዲና ኣብ መግለፂኦም፥ እቲ ሕብረት ትካል ምክልኻል ሕማማት ኣፍሪካ ምጥንኻር ኣብ ዘኽእሉ ኩነታት ከምዝተላዘቡ ሓቢሮም።

መፍትሒታት ኮቪድ 19፣ ፀገማት ሰላምን ፀፅታን፣ ለውጥታት መንግስቲን ጉዳያት ዕልዋ መንግስቲን ዘተሓሳስቡ ኮይኖም ክምዝተርኣዩ ሓቢሮም።

ፋይናንስን ንግዲን ምጥንኻር ዝብል ጉዳይ እወን ሓደ ኣጀንዳ ከምዝነበረ ተገሊፁ።

ቋንቋ ኣምሓርኛ ናይ ሕብረት ኣፍሪካ ናይ ስራሕ ቋንቋ ንምግባር ይስራሕ ከምዘሎ ብምግላፅ፥ ስዋሂሊኛ ናይቲ ሕብረት ናይ ስራሕ ቋንቋ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ብወንደሰን ኣረጋኸኝ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment