ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሃገር ለኸ ስምፖዜምን ኤግዝብሽንን ክልል ትግራይ “ደኣንት ንሕውየትን ስራሕ ዕድል ፈጠራ ትግራይ “ብዝብል መራሒ ሓሳብ ኣብ ከተማ መቐለ ይሳለጥ ኣሎ።
ኣብቲ ዋዕላ ልዕሊ 300 መንቀሳቐስቲ ዳኣንት፣ ቴክኖሎጂ መባዝሕቲ ቲቪቲ ኮሌጃት፣ ናይ ቢዝነስ ሓሳብ መሃዝቲ መናእሰይ፣ ካብ ማእኸል ሃገርን ክልልን ዝመፅኡ ዝተፈላለዩ ኣፍረይትን መከፋፈልትን ትካላት ይሳተፉ ኣለዉ።
ኢኮኖሚ ትግራይ ንምብራኽ፣ ዝተፈላለዩ ምህርቲ ብፍትሓዊ ዋጋ ብቐሊሉ ተጠቀምቲ ዝረኽብሉ ዕድል ንምምችቻውን ንስራሕ ዕድል መናእሰይ ንምንቕቓሕ ዝዓለመ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ምክትል ርእሰ ምምሕዳርን ሓላፊ ካብኔ ሴክሬታሪያት ሰላምን ፀጥታን ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ሌ/ጀነራል ታደሰ ኣብዚ ሐዚ እዋን ካብ ዘጋጠሙ ውድቀታት ሓደ ንመናእሰይ ዕድል ስራሕ ዘይምፍጣር እዩ ኢሎም።
ስለዝኾነ ሐዚ ዘሎ ጅማሮታት ንስራሕ ዕድል መናእሰይ በሪ ዝኸፍትን ዘተባብዕን ብምዃኑ ብቐፃልነት ምስራሕ ከምዘድሊ ሓቢሮም።
ዝሳለጥ ሃገር ለኸ ስምፖዜምን ኤግዝብሽንን ትግራይ ናውቲታት ካብ ምልላይን ምሻጥ ምህርቲን ብዝበለፀ ሰፊሕ ተሞክሮ ንለዋወጡሉ ክኾውን ይግባእ እውን ኢሎም።
እቲ ዝሳለጥ ሃገር ለኸ ስምፖዜምን ኤግዝብሽንን ቢሮ ቴክኒክ ሞያን ስራሕ ዕድል ፈጠራን ትግራይ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምትሕብባር ዝተዳለወ ካብ 18 ክሳብ 27 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም ዝፀንሕ ኢዩ።