ዋንጫ ግድብ ህዳሰ ኣብ ክፍለ ከተማ ንፋስ ስልክ ላፍቶ ኣብ ዝነበሮ ፃንሒት ልዕሊ 47 ሚሊየን ብር ኣታዊ ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዋንጫ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣብ ክፍለ ከተማ ንፋስ ስልክ ላፍቶ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝነበሮ ፃንሒት ምትእኽኻብ እቶን ልዕሊ 47 ሚሊየን ብር ኣታዊ ተረኺቡ።

እቲ ዋንጫ ኣብታ ክፍለ ከተማ 20 መዓልታት ዝፀንሐ እንትኸውን፥ ኣብ ፃንሒቱ 36 ነጥቢ 6 ሚሊየን ብር ኣታዊ ኮይኑ ኣሎ።

ልዕሊ 15 ሚሊየን ብር ድማ ቃል ተኣቲዩ ኢዩ።

እቲ ዋንጫ ካብታ ክፍለ ከተማ ናብ ኣቃቂ ቃልቲ ሎሚ መዓልቲ ርኽክብ ከምዝተኻየደ ድማ ተሓቢሩ።

ነበርቲ እታ ክፍለ ከተማ ንህንፀት ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝኸውን ደገፍ ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ተዛሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment