ዋንነተን ናይ ትራንስ ኢትዮጵያ ዝኾና ናብ ጁቡቲ ዝተጓዓዛ 179 ተሽከርከርቲ ደረቕ ፅዕነት ንምምላስ ዘኽእል ዘተ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍቢሲ)ካብ ዝተኣገዱ ትካላት ትእምት ሓደ ናይ ዝኾነ ትራንስ ኢትዮጵያ ንብረት ዝኾና ናብ ጁቡቲ ዝተጓዓዛ 179 ተሽከርከርቲ ደረቕ ፅዕነትን 4 ተሽከርከርቲ ፈሳሲ ፅዕነትን(ቦቴ) ካብ ጅቡቲ ንምምላስ ዘኽእል ዘተ ተኻይዱ።

ላዕለዋይ ዓቃቤ ሕጊ እተን ተሽከርከርቲ ናብ ኢትዮጵያ ንምምላስን ረብሓ ህዝቢ ንምርግጋፅን ዘኽእል ኩነታት ጅቡቲ ምስ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ ሚኒስቴር ጉዳያት ውሽጢ ዓዲ መንግስቲ ጅቡቲ፣ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ፣ ትካላት ዓቃቤ ሕጊን ፖሊስን ዘተ ከምዝተገበረ ተሓቢሩ።

እተን ተሽከርከርቲ ኣብ ዝሓፀረ ጊዘ ናብ ኢትዮጵያ ክሳብ ዝምለሳ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ መንግስቲ ጅቡቲ ብምትሕብባር ፅኑዕ ሓለዋ ይግበረለን ከምዘሎ እውን ኣብቲ ዘተ ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ናብ ውሽጢ ዓዲ ንምምላስ ኣብ ዝተገበረ ፃዕሪ ካብ ምግልጋል ህዝቢ ብተፃራሪ ኩነታት ኣባል ህወሓትን ናይ ቀደም ተጋደልቲን ዝነበሩ ገናሕቲ እተን ተሽከርከርቲ እተን ተሽከርከርቲ ናብ ኢትዮጵያ ንምምላስ ፍቓደኛታት ብዘይ ምዃኖም እቲ ልኡኽ ንከይዕወት ፃዕሪ ከምዝገበሩ ተገሊፁ።

ይኹን እንበር ላዕለዋይ ዓቃቤ ሕጊን ኣብ ጅቡቲ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያን ምስ መንግስቲ ጁቡቲ ብምትሕብባር እተን ተሽከርከርቲ ናብ ኢትዮጵያ ንምምላስ ግቡእ ፃዕሪ ይገብር ኣሎ ተባሂሉ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል  FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

Comments (0)
Add Comment