ዋና ፀሓፊ ፓርቲ ኤስፒኤልኤም ደቡብ ሱዳን ፒተር ላም ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም

ዋና ፀሓፊ ፓርቲ ኤስፒኤልኤም ደቡብ ሱዳን ፒተር ላም ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ዋና ፀሓፊ ፓርቲ ኤስፒኤልኤም ደቡብ ሱዳን ፒተር ላም ኣብ መበል ካልኣይ ስሩዕ ጉባኤ ፓርቲ ብልፅግና ንምስታፍ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም።

እቶም ዋና ፀሓፊ ኣብ መዕርፎ ነፈር ቦሌ እንትበፅሑ ሚኒስተር ንግዲን ቀጣናዊ ዝምድናን ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር)ን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ኣቀባብላ ገይረሙሎም።

ኣብቲ ጉባኤ ካብ 15 ሃገራት ዝተውፃፅኡ ናይ ጎረባብቲ ሃገራት ኣሓት ፓርቲታትን 43 ላዕለዎት ኣመራርሓ ኣሓት ፓርቲታት ኣባል ሃገራት ብሪክስን ከምዝሳተፉ ተገሊፁ።

መበል ካልኣይ ስሩዕ ጉባኤ ፓርቲ ብልፅግና “ካብ ቃል ናብ ባህሊ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ካብ 23 ክሳብ 25 ጥሪ 2017 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ኢዩ።

Comments (0)
Add Comment