ዋና ፀሓፊ ውሕመ ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ውሕመ) ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም።

እቶም ዋና ፀሓፊ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ብርቱካን ኣያኖ ምክትል ዋና ፀሓፊት ውሕመ ኣሚና መሓመድን ኣቀባብላ ገይሮምሎም።

ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝህልዎም ፃንሒት ኣብ ዓመታዊ ኣኼባ ሓፍቲ ውሕመ ሕብረት ኣፍሪካ ክሳተፉ ኢዮም፡፡

ዳግም ዝተሓደሰ ህንፃ ኮሚሽን ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ከምዝምርቑ እውን ሓበሬታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ የመላኽት።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment