ዋና ፀሓፊ ኢጋድ ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ ኣብ ሱዳን ዕላዊ ዑደት ስራሕ የሳልጡ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዋና ፀሓፊ በይነ መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ) ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ ኣብ ሱዳን ዕላዊ ዑደት ስራሕ የሳልጡ ኣለዉ።

እቶም ዋና ፀሓፊ ኣብ ሱዳን ዝገብሩዎ ዘለዉ ዑደት፥ ትማሊ ምስ እዋናዊ ኣቦ መንበር ኢጋድን ቀዳማይ ሚኒስትር ሱዳንን ዓብደላ ሃምዶክ ተራኺቦመም ተዛትዮም።

ኣብቲ ዝገበሩዎ ዘተ፥ ኣብ ዙርያ ስራሕቲ ምምሕያሽ ኢጋድ ኣድሂቦም ምዝታዮም ብማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ገፆም ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ሱዳን ዓብደላ ሃምዶክ፥ ሃገሮም ኣብ ስራሕቲ ምምሕያሽ ኢጋድ ግደኣ ከምትዋፃእን ካኦት ኣባል ሃገራት ተመሳሳሊ ስራሕ ንኽሰርሓ ምተሓትትን ገሊፆም።

ዓብደላ ሃምዶክ፥ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ጅቡቲ ብምምራሕ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ኢጋድ ዑደት ከምዘካይዱን እምነሰረት ህንፀት ሓዱሽ ቤት ፅሕፈት ናይቲ ትካል ከምዘንብሩን እውን ተሓቢሩ።

ዶክተር ወርቅነህ፥ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሱዳን ኣሰማ ዓብደላ ሎሚ መዓልቲ ተራኺቦም ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ኣድሂቦም ምዝታዮም እውን ገሊፆም።

Comments (0)
Add Comment