ዋና ፀሓፊ ኢጋድ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ ምስ ዋና ዳይሬክተር ተጠባባቒ ሓይሊ ምብራቕ ኣፍሪካ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዋና ፀሓፊ በይነ መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ)ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ ምስ ዋና ዳይሬክተር ተጠባባቒ ሓይሊ ምብራቕ ኣፍሪካ ብርጋዴር ጄኔራል ጌታቸው ሽፈራውጋር ተዛቲዮም።

ኣብ እዋን ዘተኦም ድማ ሰላምን ድሕንነትን እቲ ዞባ ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ዘተኮረ ከምዝነበረ እቶም ዋና ፀሓፊ ኣፍሊጦም፡፡

ካብዚ ሓሊፉ እውን ኣብ ህንፀት ዓቕሚ፣ ድርድርን ሽምግልናን ከምኡ እውን ጎንፂታት ኣቐዲምካ ንምክልኻል ብምትሕብባር ምስራሕ ኣብ ዝከኣለሉ ጉዳይ ተዛቲዮም፡፡

ምስ እዚ ተተሓሒዙ ድማ ኢጋድን እቲ ተጠባባቒ ሓይሊን ኣብ ቀረባ እዋን ሰነድ ስምምዕነት ከምዝፈራረሙ ገሊፆም፡፡

ተጠባባቒ ሓይሊ ምብራቕ ኣፍሪካ፥ ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪካ ሰላምን ድሕንነትን ዝሰርሕ ትካል ኢዩ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment