ዋና ዳይሬክተር ኤጀንሲ መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ምስ ፕሬዚዳንት ዓለም ለኸ ኢንተርኔት ሶሳይቲ ተዛትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ዋና ዳይሬክተር ኤጀንሲ መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ዶክተር ሹመቴ ግዛው ምስ ፕሬዚዳንት ዓለም ለኸ ኢንተርኔት ሶሳይቲ ኣንድሪው ሱሊቫን ተዛትዮም።

ክልቲኦም መራሕቲ፥ እተን ትካላት ብዝተፋላዩ ጉዳያት ተዋዲደን ምስራሕ ኣብ ዝኽእላሉ ዛዕባታት ኣድሂቦም ከምዝተዛተዩ ተገሊፁ።

ኤጀንሲ መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ኣብ ዘውፀኦም ፖሊሲታትን መለክዒታትን ዓለም ለኸ ትሕዝቶ ንኽህልዎም ምስ ኢንተርኔት ሶሳይቲ ተሓጋጊዙ ንምስራሕ ምስምዕምዑ ካብቲ ኤጀንሲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ስለዝኾነ እቲ ኤጀንሲ ዝተውሃቦ ልኡኽቶ መሰረት ብምግባር ዝትግብም ስራሕቲ፥ ዓለም ለኻዊነት ዝተላበሱ ንምግባር ምስ ዝተፈላለዩ ሓገዝቲ ኣካላት ኮይኑ ከምዝሰርሕ እቶም ዋና ዳይሬክተር ተዛሪቦም።

እቶም ዋና ዳይሬክተር፥ ኣብ ዓውዲ ምርምርን ህንፀት ዓቕሚን ኣድላዩ ሓገዝ ምግባር ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ብዝምልከት እውን ምስቶም ፕሬዚዳንት ተዛትዮም ኢዮም።

ፕሬዚዳንት ዓለም ለኸ ኢንተርኔት ሶሳይቲ ኣንድሪው ሱሊቫን፥ ትካሎም ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ምሕላው ድሕንነትን ምርግጋፅ ተበፃሕነትን በይነ መረብ ከምዝሰርሕ ብምግላፅ፤ ኤጀንሲ መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ኣብ ዝሰርሖም ስራሕቲ ንምሕጋዝ ድሉው ምዃኑ ኣብሪሆም።

ኢትዮጵያ ግልጋሎት ድሕንነት በይነ መረብ ንምምሕያሽ ልዑል ፃዕሪ እናገበረት ምዃና ዝሓበሩ እቶምፕሬዚዳንት፥ እቲ ዓውዲ ብዝበለፀ ንምምዕባልን ድሕንነቱ ዝተረጋገፀ ክኸውንን ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምትሕብባር ምስራሕ ከምዝግባእ ገሊፆም።

ዓለም ለኸ ኢንተርኔት ሶሳይቲ ብፈጠርቲ ኢንተርኔት ኣቢሉ ቅድሚ 29 ዓማውቲ ዝተጣየሸ እንትኸውን፥ ኣብ መላእ ዓለም ተበፃሒ፣ ድሕንነቱ ዝተሓለወን ተኣማኒን በይነ መረብ ንኽህሉ እናሰርሐ ይርከብ።

Comments (0)
Add Comment