ዋና ኦዲተር ፌዴራል ፀብፃባቱ ብፅሬትን እዋኑ ዝሓለወን ንኸቕርብ ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ዕዮ ዋና ኦዲተር ፌዴራል ኣፈፃፅማ ፀብፃብ ትልሙ ብፅሬትን እዋኑን ንኸቕርብ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ምምሕዳርን ቁፅፅርን ወፃኢ መንግስቲ ሓቲቱ።

እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ትልሚ 6 ኣዋርሕ ቤት ዕዮ ዋና ኦዲተር ፌዴራል ዝገምገመ እንትኸውን፥ ኣብ ውሽጢ እቲ ትካል ኣገልግሎት ኦዲት ይኹን ስራሕቲ ኣገልግሎት ሓገዝ ወፃኢ ዝቑጥቡ ንምግባር ዘኽእል ወረቐት ዘይብሉ ስርዓት ኣብ ተግባር ምውዓሉ ዝበረታታዕ ከምዝኾ ተገሊፁ፡፡

ኣብ ቀፃሊ እናመሓየሸ ንምኻድ ዘርአዮ ቆራፅነት ብናእዳ ዝተመልከተ እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ፥ ፀብፃባት ኣጣሚርካ ፅሬት ብዘለዎ መገዲ፣ እዋኑ ሓሊዩን ኣዋዲዱን ንዝምልከቶ ኣካል ክለኣኽ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቡ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment