ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣይተ ተወልደ ገብረማሪያም ብናይ ገዛእርእሶም ፍቓድ ካብ ሓላፍነቶም ለቒቖም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣይተ ተወልደ ገብረማሪያም ብናይ ገዛእርእሶም ፍቓድ ካብ ሓላፍነቶም ለቒቖም።

እቲ መገዲ ኣየር ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፥ ኣይተ ተወልደ ገብረማሪያም ብናይ ገዛእርእሶም ፍቓድ ካብ ሓላፍነቶም ከመዝለቐቁ ኣፍሊጡ።

እቲ መገዲ ኣየር ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፥ ኣይተ ተወልደ ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ሕክምንኦም ኣብ ኣሜሪካ ክከታተሉ መፅንሖም ኣዘኻኺሩ።

ኣይተ ተወልደ ገብረማርያም ብምኽኒያት ፀገም ጥዕና ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ እቲ መገዲ ኣየር ኮይኖም ክቕፅሉ ከምዘይኽእሉ ብምግላፅ እቲ ቦርድ ኣመራርሓ ስራሕ መልቀቒ ንክህቦም ሕቶ ምቕራቦም ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ እቲ  ቦርድ ኣመራርሓ ስራሕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ነቲ ሕቶ ከምዝተቐበሎ ኣፍሊጡ።

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ክንዲ ኣይተ ተወልደ ገብረማሪያም ከምዝምድብ እውን ገሊፁ።

ኣይተ ተወልደ ንልዕሊ 10 ዓመት ነቲ ትካል ኣብ ዝመርሕሉ እዋን ልዑል ውፅኢት ዘመዝገቡ ከምዝኾኑ እቲ መገዲ ኣየር ኣብ መግለፂአኡ ኣመላኺቱ።

ብናቶም ኣመራርሓ ብኹሎም መለክዒታት ዝተፈለየ ውፅኢት ከምዝተመዝገበ ብምሕባር፥ ዓመታዊ ኣታዊ ካብ ልዕሊ 1 ቢሊየን ዶላር ኣሜሪካ በምብጋስ ኣብዚ ሐዚ እዋን ልዕሊ 4 ነጥቢ 5 ቢሊየን ዶላር ከመዝበፅሐ ሓቢሩ።

33 ዝነበራ ቁፅሪ ኣውሮፕላናት ናብ 130 ምብፅሐንን እቲ መገዲ ኣየር ኣብ ሓደ ዓመት ዘተኣናግዶ ቁፅሪ መንገደኛ ልዕሊ 3 ሚሊየን ናብ 12 ሚሊየን ክብ ከምዝበለ ገሊፁ።

ብሓፈሻ ብናቶም ኣመራርሓ እቲ መገዲ ኣየር ብኣርባዕተ ዕፅፊ ዓብዩ ኢዩ ዝበለ እቲ መግለፂ፥ 700 ሚሊየን ዶላር ዋጋ ዘውፅኡ መሰረተ ልምዓታት ዝተሃነፁ ብናቶም ኣመራርሓ ከምዝኾነ ሓቢሩ።

ኣብ ኣፍሪካ ዓብዪ ዝበሃል ሆቴል፣ ተርሚናል ካርጎ፣ ኣካዳሚ ኣቭዬሽንን ሲሙሌተራት በረራን ምህናፆም ንኣብነት ረቚሑ።

እቲ ቦርድ ኣመራርሓ ስራሕ፣ ላዕለዎት ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ብሓፈሻ ስድራ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንዚ ኣስተዋፅኦ ምግባሮም ልዑል ምስጋና ከምዘለዎ ብምግላፅ ሙሉእ ጥዕና ተመኒዩሎም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment