ዋልያታት ኣብ 2025 መፃረዪ ፅዋዕ ኣፍሪካ ሞሮኮ ካልኣይ ዙር ፀወተኦም ከካይዱ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጳጉሜን፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዋልያታት ኣብ 2025 መፃረዪ ፅዋዕ ኣፍሪካ ሞሮኮ ካልኣይ ዙር ፀወተኦም ምስ ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ከካይዱ ኢዮም።

እቲ ፀወታ ፅባሕ ምሸት ሰዓት 4 ኣብ ታንዛኒያ ዳሬ ሰላም ብሄራዊ ስታዲየም ቤንጃሚን ምካፓ ኢዮም ከካይዱ።

ኣብ ህማምን ጉድኣትን ዝነበሩ ኣብነት ደምሴን ወገኔ ገዛኸኝን ዋልያታት ትማሊ ኣብ ዝገበርዎ ናይ መወዳእታ ልምምድ ከምዝተረኸቡ ኣብ ፌዴሬሽን ኩዕሶ ኢግሪ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

Comments (0)
Add Comment