ዋልታ ዝረገፁ ኣተሓሳስባታትን ብፖለቲካ ምሽቃጥን ንኢትዮጵያ ጉልበት ዘስእን ጥራሕ ዘይኮነስ ዝብትን ፀረ ሓድነት ኢዩ – ዶ/ር ለገሰ ቱሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)”ዋልታ ዝረገፁ ኣተሓሳስባታትን ብፖለቲካ ምሽቃጥን ንኢትዮጵያ ጉልበት ዘስእን ጥራሕ ዘይኮነስ ዝብትን ፀረ ሓድነት ኢዩ” ክብሙ ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ ፅሑፍ÷ ህብረ ብሄራዊ ሓድነትና ንዘላቒ ሰላም፤ ንኢትዮጵያን ኢትዮጵያውያንን ብሕታዊ መፍትሒ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።

“ዋልታ ዝረገፁ ኣተሓሳስባታትን ብፖለቲካ ምሽቃጥን ንኢትዮጵያ ጉልበት ዘስእን ጥራሕ ዘይኮነስ ዝብትን ፀረ ሓድነት ኢዩ” ክብሉ እውን ኣብሪሆም፡፡

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እናተፈጠሩ ዝርከቡ ፀገማት መበገሲኦም ይኹን መወዳእተኦም ኢትዮጵያ ንምፍራስ ልኡኽቶ ዝተሓንገጡ፣ ፖለቲካ ከም ሸቐጥ ዝጥቀሙ ናይ ውሽጢ ባንዳታት ምስ ታሪኻዊ ፀላእቲ ብሓባር ዘካይዱዎ ዝፀንሐ ወፍሪ ንኽቕፅል ዝግበር ድሌት ከምዝኾነ ገሊፆም።

“መሲሉዎም እምበር እዚ ኣይዕወትን” ዝበሉ እቶም ሚኒስትር÷ እዚ እኩይ ሽርሒ ንምፍሻል ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ መላእ ህዝቢ ከም ቀደሙ ብሓባር ጠጠው ክብል ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

እዋኑ ፀገማት ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ኢትዮጵያ ብሓባር ንፈትሐሉ፣ ናይ ኩልና ፃዕሪን ትግሃትን ዝሓትት ኢዩ” ክብሉ እውን መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም፡፡

Comments (0)
Add Comment