ወ/ሮ ፅዮን ተኩሉ ምስ ኣምባሳደር ሕቡራት ዓሚረታታ ዓረብ ኣብ ኢትዮጵያ ተዛቲየን

ኣዲስኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ወይዘሮ ፅዮን ተኩሉ ምስ ኣምባሳደር ሕቡራት ዓሚረታታ ዓረብ ኣብ ኢትዮጵያ ሙሓመድ ሳሌም ተዛቲየን።

ኣብቲ ዘተ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ኣማራፂታት ኢንቨስትመንትን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ኢንቨስትመንት ዝተዋፈሩ ሰብ ሃፍቲ ሕቡራት ዒሚረታት ዓረብ እናጋጠሙዎም ዝርከቡ ማሕለኻታት ትኹረት ገይሮም ተዛቲዮም።

ሰብ ሃፍቲ ኣብ ህንፀት ዓቕሚ፣ ስግግር ቴክኖሎጂ፣ ኣብ ማሕበራዊን መሰል ዓውዲታት ኢንቨስትመንትን ኣተኲሮም እንተሰሪሖም ረብሓ ክልቲአን ሃገራት ብዝበለፀ ከዕብዩ ከምዝኽእሉ ወይዘሮ ፅዮን ገሊፀን።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝተገበረ ሃገር በቆል መመሓየሺ ኢኮኖሚ ሪፎርም ስዒቡ ዝተመሓየሸ ኣዋጅ ኢንቨስትመንት ንዕዉትነት ሰብ ሃፍቲ ወፃኢ ዓቢዪ ኣስተዋኦ ከምዘለዎ እውን እተን ሚኒስትር ዲኤታ ገሊፀን።

ኣምባሳደር መሓመድ ሳሌም ብግደኦም፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ መመሓየሺ ኢንቨስትመንት ሕዚ ካብ ዘሎ ኣዋጅ ብዝሓሸ መልክዑ ንሰብ ሃፍቲ ወፃኢ ቅልጡፍን ምቹውን ከምዝኸውን ዘለዎም ተስፋ ገሊፆም።

ምቹው ኩነታት ኢንቨስትመንት ንምፍጣር ኣብ ክልቲአን ሃገራት ዝርከቡ መዳርግቲ ኣካላት ብምትሕብባርን ብምቅርራብን ክሰርሑ ከምዝግባእ ከልቲኦም ወገናት ኣብዝነበሮም ልዝብ ምስምዕመዖም ካብ ኣቐባሊ ቓል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment