ወ/ሮ ዘርፈሽዋል ንጉሴ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብምዃን ተሸይመን

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ መበል ሻምናይ ቀዳማይ ስሩዕ ጉባኤኡ ሎሚ መዓልቲ የሳልጥ ኣሎ።
ኣብቲ ዝሳለጥ ዘሎ ስሩዕ ጉባኤ ወ/ሮ ዘርፈሽዋል ንጉሴን ኣፈ ጉባኤ እቲ ቤት ምኽሪ ንክኾና ተሸይመን።
ኣብቲ ጉባኤ ኣፈፃፅማ መደባት ቀዳማይ ርባዕ ዓመት 2013 ዓ.ም ከምዝግምገም ተገሊፁ።
ብተወሳኺ ረቂቕ ኣዋጅ መሊስካ ምጥያሽ ክፍለ ከተማታትን ወረዳታትን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብዝምልከት ብምዝታይ ውሳነ ሓሳብ ክመሓላለፍ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።
ካብዚ ሓሊፉ ዝተፈላለዩ ሹመታት ኣብቲ ቤት ምኽሪ ቀሪቦም ከምዝፀድቁ ተገሊፁ።
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
Comments (0)
Add Comment