ወ/ሮ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ክፍለ ከተማታት ኣራዳን ጉለሌን ሃንደበታዉ ዑደት ገይረን

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ክፍለ ከተማታት ኣራዳን ጉለሌን ሃንደበታዉ ዑደት ገይረን።

ኣብ ዑደተን ኣብተን ክፍለ ከተማታት ኣገልግሎት ኣብ ዝበዝሖም ዓውዲታት ስራሕ ዝወሃቡ ግልጋሎታት ዘተዓዘባ እንትኾና ምስ ተገልገልቲ እውን ፃንሒት ገይረን ኢየን።

ኣብ ኣወሃህባ ግልጋሎት መሰረታዊ ለውጢ ንምምፃእ እቲ ምምሕዳር ከተማ ዝጀመሮም ስራሕቲ ለውጢ ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ምግላፀን ካብ ፕሬስ ሴክሬታሪያት ኣዲስ ኣበባ ዥረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment