ወ/ሮ ኣዳነች ምስ ኣባላት ካቢኔ ብምዃን ብ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ዑደት ኣካይደን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 23፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ከንቲባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ምስ ኣባላት ካቢኔ ብምዃን ብ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ዑደት ኣካይደን።

እቲ ዑደት፥ ሓይሊ ኣየር እናካየዶ ዝርከብ ሪፎርምን ለውጢን ንምርኣይ ከምኡ እውን እቲ ምምሕዳር ከተማ ዝኽእሎ ሓገዝ ንምግባር ተሓሳቢ ዝገበረ ከምዝኾነ እተን ምክትል ከንቲባ ገሊፀን።

ኩርዓት ኢትዮጵያ ዝኾነ ሓይሊ ኣየር ቅድሚ ሕዚ ትኹረት ዘይተውሃቦን ትሕቲ ዓቕሚን ብዝኾነ ኩነት እናሰርሐ ዝነበ ትካል ምዃኑ ዝገለፃ ወይዘሮ ኣዳነች፥ ኣበዚ ሕዚ እዋን መሰረታዊ ሪፎርም ተገይሩሉ ኣብቲ ዓውዲ ብቕዓት ዘለዎ ሓይሊ ሰብ ምፍራይ ኣብ ዝኽእሉሉ ብርኪ ከምዝኾነ ከምዝተዓዘባ ገሊፀን።

እቲ ሓይሊ ኣየር ሉኣላዊነት ኣብ ምሕላው ዘኹርዕ ገድሊ እናፈፀመ ብምዃኑ፥ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣድላዪ ሓገዝ ከምዝገብር ገሊፀን።

እቲ ምምሕዳር ንኣባላት እቲ ሓይሊ ኣየር ዘለዎም ደጀንነት ንምግላፅ ሓገዝ ሰንጋ ኣብዑር ምግባሩ ካብ ፕሬስ ሴክሬታሪያት ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment