ወ/ሮ ሰመሪታ ሰዋሰው ምስ ዳይሬክተር ዘፈር ሕርሻ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ዴኤታ ገንዘብ ወይዘሮ ሰመሪታ ሰዋሰው ምስ ዳይሬክተር ዘፈር ሕርሻ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ፓስካል ሳጊንጋ (ዶ/ር)ን ኣቦ መንበር ትካል ኣፍራዪ ዘበናዊ ዱኽዒ (ኦሲፒ)ላህቸን ኢናህሊ ተዛቲየን።

እተን ሚኒስትር ዴኤታ ኣብ ዘተአን፥ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘፈር ፍርያት ስርናይ ዘለዉ ዕድላት ማሕለኻታትን ዝምልከት ነቶም ዳይሬክተርን ልኡኾምን ገለፃ ገይረን።

መንግስቲ መፍረያይነት ስርናይ ንምውሳኽን ኣብቲ ዓውዲ ምትእስሳር ዕዳጋ ንምፍጣርን ዝገበሮም ፃዕሪታት ዝምልከት መብርሂ እውን ሂበን፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ፕሮጀክት ስርናይ ኢትዮጵያ ክድግፈሉ ኣብ ዝኽእለሎም ጉዳያት ከምዝዘተዩ ካብ ሚኒስቴር ገንዘብ ዝረኸብናዮ ሓሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

Comments (0)
Add Comment